Skip to content

ኣብ ስንብታይ

ሓሶት ኣይፈቱን’የ
ንስለ ሓቂ’የ ድማ ኽመውት
ግጥሚ’ያ ህይወተይ
ከም ገጣሚ’የ ዝሰናበት።
ምስ ሞትኩ…
ሓሰውቲ፡ መምሰልቲ
ፈተውተይ ተመሲሎም
ጋሻ ቐባራይ ንኽምስክረሎም፡
ኔው ነጀው እናተንቀሳቐሱ
ክረኣዩ’ዮም፡ ብዓውታ ኸልቅሱ።
ሓሶት ምዃኑ ተዋስኦ
ቅድሚ ሞተይ
እቲ ምስጢር ከውጽኦ፡
እንተ ረኣኹም ጽጕራ ዝተነጽየ
እንተ ዓንቀፈኩም ነጸላ ዝደርበየ፡
በቶም ንኸምስሉ
ኣብ መድረኽ ዝተሰቕሉ
ዓንቀሮም ብድሩቑ ገና ግን ዝግዕሩ
ከይትግርሁ…
ብ ‘ዓይኒ ኸዳዕ ነባዕ’ ከይትጠራጠሩ።
ኣይነቐሉን ምሳይ ኣይወፈሩን
ኣይተከዙን ምሳይ ኣይዘመሩን
ኣይበኸዩን ምሳይ ኣይዓለሉን
ኣብ ጕዕዞ ህይወት ምሳይ ኣይነበሩን
ሓሰውቲ’ዮም፡ ግን ከኣ ኣይሓፍሩን።
ካብ ልስሉስ ካብ ደረቕ
ዘናፍቕ ይኹን ዘደፋንቕ
ምሳይ የብሎምን፡ ኣሰር ዝኽሪ
ዝኽሪ ንኽፈጥሩ ግን ኣብ’ቲ ቐብሪ፡
ከም ሓለይቲ
መቕርብ ተመሲሎም ተዋሳእቲ
“ሓወየ፡ ሓወየ፡ ሓወይ መዓረየ
እንታይ ረኸበለይ፧ ኣንታ ወዲ’ነየ፡”
ከስምዑኒ ዘይኰነስ ከስምዑ
ንኸንቱ’ዮም ኣብ ቅርዓት ዘጕርዑ።
ኣስተብህሉ ግዳ ናብቶም ስቕ ዝበሉ
ኣብ ስንብታይ ይውዓሉ ኣይውዓሉ
ምስ’ቲ ስቕታይ ብስቕታ ዘዕልሉ።
Reader discussion

Join the conversation

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *