Skip to content

ንረዛን ንገድዋ

ኣብቲ ጐደቦ
ሕምብርቲ ዓደ’ቦ
ብዓልቲ ጀለብያ
ወጅሂ ዘይተፈልያ፡
ጋመ ቝኖ
ወዛም ስውንዋኖ
ኵሕልቲ ዓይኒ
ኣራንሺ ምዕጕርቲ
ሒለል ክሳድ
ቍመናኣ ጽሕዲ፡
እታ መኽዘን ባህሊ
ጕልብብቲ ወይዘሪት
ካብ ጸጕሪ ናብ ጽፍሪ፡
መዋዕልቲ ስፈ
መዛርብቲ ላኻ
ትሕትና ዘብለያ
ጥበብ ዝመለኻ፡
እታ ግዝኣት ሰናይ
ተጻባኢት ነውሪ
ልዕሊ ስፍሪ ጠባይ
ልቦናኣ ባሕሪ፡
ዘይትኣምን ወርሒ
ጸሓይ መቓርብታ
ዙረት ዘይእንታያ
ውሻጠ ቅርዓታ፡
እታ ረዛን
ረዛን፡ ሕልፊ ሚዛን
ብሓቂ እምንቲ
ምቕልልቲ ቕድስቲ፡
ገዳም ደብረ ቕርሲ
መለለይት ምስሊ
መጸግዒት ጽላል
መጕዚት ክቡር ባህሊ
እያ’ሞ፡
ንኣፍልጦ ያታ
ንሓበን ንየታ
ንገድዋ፡
ብጽሕዎ መቕደሳ
ኣዒንትኹም የብርይ
ትረኽቡ መለሳ፡
ካብ ሰዓብቲ ቕዲ ባዕዲ
ይርእይ ጓል ዓዲ።
ዕድልኩም ጸቢቑ
ክትለውስ ክትጥብት
ክትጥሕን ክትልንቅጥ፡
እንተ ጸኒሓ
ኣብ ስራሕ ተጸሚዳ
ክሳዕ ትሕጸቦ ኣይትጸበይዋ
ተሳለሙዎ ቕዱስ’ዩ እቲ ኢዳ።
ጽድቂ’ኳ እንተ ዀነ
ምርኣያ ንባዕሉ
ካብቲ ጸበላ’ውን
እጃምኩም ተልዕሉ።
ግና፡ ኣብ ኣተኣታትዋ
ከይተሰንብድዋ
ምዃንኩም ሰብ ደሓና
መታን ከፍልጥዋ
መራሕቲ መገዲ
ኣሕልፉላ ደቂ ዓዲ።
ምስ በጻሕኩም ኣብቲ ቐጽሪ
ፍግም ከኣ በሉ ስገዱላ ስለ ኽብሪ።
ግዳ ሓደራኹም፡
እንተ ዘይቀረበት ከይትቕስብዋ
እንተ ዘየዕለለት ከይትቕየምዋ
ቀራቢት እንተ ትኸውን
ኣይምኸኣለትን ያታ ንኽትክዝን
ረዚና ከተርዝን።
ብርሃነ ገብረህይወት
(02/2003)
Reader discussion

Join the conversation

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *