ጥራይ እግረይ’የ። መቐስ ዘይተንከፎ ጸጕሪን መላጸ ዘይሓለፎ ጭሕምን እውንን። ሰኣን ኣራኽቦ’ምበር ንስለ ግርማ ኣይኰነን። ኣብ ወዲ-ኣዳም፡ ብጸጕሪ ዝመጽእ ግርማ ኣበይ ክህሉ ኢሉ! መጸበዪ ሓሳባት ምዃን ግን ኣይሓምቕን። ምንኣስ ቈርበተይ ዝዀነት ልብሲ ኣብ ሰብነተይ ምስ ተጣበቐት እያ። ካብ ትሽፍኖ ዘይትሽፍኖ ይዓቢ። ግዳማዊ ዕርቃን ነጸብራቕ ውሽጣዊ ዕርቃን ንዝመስሎም፡ መልእኽቱ የመሓላልፍ ይኸውን። ምሉእነት ግን ክንደየናይ ክህልዎ ኢሉ። ዝርድኦ እውን ብርኩት ኣይኰነን።
ወላዲቱ ዝሰኣነ ሓዘንተኛ ዝመስሎም ኣይሰኣኑን። ኣይተጋገዩን። ወላዲተይን መዘና ወላዲተይን እንታይ ፍልልይ ከይህልወን? ንየማንን ጸጋምን ዓይኒ ዘዳሉ ጥዕና ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ። ንሸዀና እግረይ ዝኽርክር መቑሕ እናጐተትኩ እጐዓዝ ኣለኹ። ኣብ ከብዲ እግረይ እናሓደረ ዝረክስ ቁስሊ ኣሎኒ። ዝረግጾ ዘለኹ ባይታ፡ ጐርቢ ዝዓብለሎ እዩ። ተስፋ ዝበሃል መዐገሲ ስለ ዝጥቀም ግን ቃንዛ የብለይን።
ብዘዕገርግሩ ንፋሳት መኣዝነይ ኣየጥፍእን። ዝኸዶ ዘለኹ መገዲ፡ መገዲ ሓርነት ምዃኑ እኣምን። ደላዪ ሓርነት’የ። መለክዒ ዘይበቕዖ ኩሉ መዳያዊ ሓርነት! ማለት፡ እቲ ብባህሪ እተዓደልክዎ ግን ከኣ ዝተመንዛዕክዎ። ብሓርነት ክዛረብን ክገልጽን፡ ክእከብን ክላዘብን እዩ ምርጫይ። እምባ ሓርነት እበጽሖዶ ኣይበጽሖን ኣብ ሎሚ ኰይነ ኣይግምትን። ምብጻሕ ግን ኣይክተርፍን’ዩ። ኣነ እንተ ዘይበጻሕክዎ፡ ዝበጽሕዎ መቓልስተይ ኣይክሰኣኑን እዮም። ኣብቲ ዝበረኸ እምባ ሓርነት ሽግ ዓወት ምስ ተወለዐ፡ ሓርነተይ ኣብቶም ዝበጽሕዎ ከስተማቕሮ ኣይክጽገምን እየ። ርሑቕ ድማ ኣይኰነን። ነቲ ዝዝርጋሕ ባና ሓርነት ፍሽኽታይ ከሰንዮ ክረአ እዩ። ኣብ ኢደ እግረይ ዘሎ መራት ሰንሰለት ድማ ሽዑ እዩ ዝመክኽ።
እዚ ዝዛረበሉ ዘለኹ መራት ሰንሰለት፡ መን ከም ዘቐመጠለይን ናይ መን ምዃኑን ብልክዕ ኣይፈልጥን’የ። ኣብ በይነይ’ዩ ኣይብሎን። ንከይዛረቡ ዝተዓፈኑ ኣብ ጎድነይ ኣይሰኣኑን። ብቊጽርስ ብዙሓት’ኳ ደኣ! እቲ ዘቐመጦ ኣካል ንምንታይ ዕላማ ከም ዘቐመጦ ክገልጾ እንተ ዝኽእል፡ ምስጢር ኣድላይነቱ ምተገልሀ። እንተ ኣነ፡ ካብዚ ዝረግጾ ዘለኹ መሬት ተዓዲኑ ከም ዝተመስረሐ ጥራይ’የ ዝፈልጥ። ጊላ ሓሳበተይ ከይከውን’ሞ ክንፊ ናጽነት ንኸይውንን ምዃኑ ግን መን ከይስሕቶ። ይወራረስ ምህላዉ ድማ ኣስተውዒለ ኣለኹ።
‘መራሕተይ’ ዘይብሎም ‘መራሕትኻ ኢና’ ዝብሉ ይበዝሑኒ ኣለዉ። ኣጋውላኦም፡ ንጽባሕ ብንጹር ንኸንብባ ይሕግዘኒ ኣሎ። ሕቑፎ ኣደይ፡ ብሕጂ እውን ተወሰኽቲ መለኽቲ ከይሓቁፍ እስከፍ። ንመጻኢ ዕድል ሓፋሽ ከይሓፈሩ ዝውስኑ፡ ብዘይፈልጥዎ ቋንቋ ዝምጉቱኒ በዚሖም። ነታ ዝውንና ብሕታዊት ድምጸይ እውን ክዝርፍዋ እዮም ዝቃለሱ። ካብ ናይ ልቓሕ መዝገበ ቃላት እናኣረዩ፡ መገዲ ሓርነት ከርእዩኒ ሒዅ ዝብሉ ኣይወሓዱን። ተቓጸይቲ ናጽነተይ፡ ኣብ ዕርዲ ተንኰላት ኣዝጊቦም ብፍላጻ እናወጉኡኒ፡ ንፍትሓውነቶም ክምስክር ይጉስጉሱኒ ኣለዉ።
ይኹን’ምበር፡ ‘እዚ እዩ እቲ ሓቂ’ እናበሉ፡ ትርኑዕ ገፈጥ ኣመንጊጎም ከዀሉሱኒ ዝቃለሱ ንሸውሃተይ ኣይረገጥዎን። ዝያዳ’ኳ የበራብርዎ ኣለዉ። ‘መኣዲ ሓቂ ኻብ እትቕርቡለይ፡ ሓቂ ንኽምእርር ዘይትፍንዉኒ’ እየ ዝብሎም። ግዳ ኣይሰምዑንን። ዝመስሎም ስለ ዝገበሩ ኣይጸልኦምን። ነቲ ዝመስለኒ ስለ ዘይፈቐዱለይ እውን ከምኡ። ዝፈተኑ እንተ ፈተኑ፡ ነቲ ዝምክሑሉ ሓቅታቶም መዅባዕቲ እምነታተይ ከየሕልፎ ኣይስከፈሉን። ናጽነተይን ኣነን፡ መናብርትን መቓብርትን ኢና። ካብቲ ዝቕረበለይ ወጻኢ ንዘሎ ሓቂ ኽደሊ፡ ካብቲ ዝሰምዖ ድምጺ ወጻኢ ንዘሎ ድምጺ ኸለልን ከድምጽን፡ ምስ ውሽጠይ ተላዚበ’የ ኣብ ጕዕዞ ዘለኹ። ናብራ ኣብ ውሻጠ ውሻጠኻ’ዩ ጥዑም!
ውሻጠ ዓለመይ’ምበኣር ብዘይምኽንያት ኣይመረጽክዎን። ወጮ ብኽልተ ገጹ ፍልልይ የብሉን። ልብሲ ምዉት ብዕራይ ምስ ገረወይና ተወሃሂዱ፡ ኣብ ቅርዓት ምስ ሃመመ’ዩ ቕጭ መጺኡኒ። መጣቓዕትን ጣቕዒትን ምስ በዝሑ ወነይ ከኒቡ። ሰቐጥቀጥ መናዅብ እውን ጠሊሙኒ። ከምጽኦ እንተ በልኩ ካበይ ይምጻእ? መትንታተይ ከይፈታትሑ ደሪቖም። እንታይ ምስ ረኸቡኸ ኽፈታትሑ፧ ከም ውጽኢቱ፡ ካብ ምልሃይ ተዓዛብነት መሪጸ። ትዕዝብተይ፡ ዝያዳ ንኽሓስብ ይድርኸኒ ኣሎ። ዘገርሙን ዘርምሙን ምርኢታት ከኣ ኣይጎስዩንን ዘሎዉ።
ካብቲ ብግዳም ዝመጽእ ድምጺ፡ ኣእዛነይ መለሳ እዮም ዝደልዩ። ካብ ደረቕ መደረ ኲናትን ወረ ኲናትን ጥሮታ ይብህጉ። ኣብ ውሽጠይ ንዝካየድ ኲናት ከጸናጽኑ ይሃርፉ። ህዋሳተይ ለውጢ ተመንዮም ብሕትውና የምሩጹኒ። ኣብታ ብናጽነት ዝነብራ ጸባብ ክፍሊ፡ ምስ ኣድማስ ጽባቐ ብናጽነት ከዕልል የገድዱኒ። እታ ንመሳርዕ ኣካላተይ ዘይተገላብጥ ጸባብ ክፍሊ፡ ንኣድማስ ከተገላብጥ ዓቕሚ ኣይትስእንን። ንዕርቃነይ ሰቲራ፡ ዕርቃን ደቂ-መሬትን ግርማ ኣድማስን እያ ተርእየኒ። እቶም ብማዕዶ ዝርእይዋ መቓብር እናበሉ እዮም ዝገልጽዋ። ሬሳ’ምበር ሂወት ዘለዎ ፍጡር ትሓቁፍ ኣይብሉን እዮም። ኣብኣ ዘየሎ ግን የሎን። ሰብ ርሑቕን ቀረባን፡ ኣጋይሽ ክትቅበልን ከተፋኑን ዕረፍቲ ይኹን ጸገም የብላን። ኣጋይሸይ ገጾም ብፍቱሑ እዮም ዝኣትዉን ዝወጹን። ናብራይ ምስ ኣጋይሸይ እዩ። ምስ ዋሕዚ ዘየዕርፉ ዘይጋየሹ ኣጋይሽ።
ብሓሳበይ፡ ኣብ ጸቢብ ቤት ኣእላፍ ኣጋይሽ ክቕበልን ከፋኑን ባህታ ይስመዓኒ። ሕብርታቱ ዝቀያየር ሰሓቕ እዩ መቑነነይ። ቀጠልያ፡ ቀይሕ፡ ብጫን ሰማያውን ሰሓቕ እስሕቕ። ጻዕዳን ጸሊምን ሰሓቕ ዝስሕቀሉ እዋናት እውን ኣሎ። መኣስ ይወግሕን ይመስን ኣይፈልጥን። ለይትን ቀትርን ኣብ መቓን ግዜይ ሓደ ዀይኖም ኣለዉ። ኣብ መጋባእያ ብሕትውናይ ዝእንገዱ ዛዕባታት ኣየጸምዉኑን ዘለዉ። ንዘይዛመዱ ኸዛምድ፡ ንዘይራኸቡ ኸራኽብ፡ ንዝተጸለሉ ኸሕዊ፡ ንዘይተጸለሉ ኸጸልል፣ ንበረርቲ ወረታት ልጓም ክገብረሎም፡ ንሓሶትን ሓሰውትን ኣእጋሮም ክቕርስም፡ ንሓቅታት እግሪ ኸትክል ኣብ ዝገብሮ ግድል፡ ከምቲ ብምልኣት ዘይተዳህሰሰ ኣድማስ፡ ንውሽጠይ እውን ዘይተዳህሰሰ ጸጋታት እረኽበሉ። ኣብታ ጸባብ ቤተይ ኵሉ’ዩ በጻሕየይ። ሕሙም እናመሰልክዎም ዝበጽሑኒ ሕሙማት ብዙሓት እዮም። ብጥዕናኦም ዘይተኣማመኑ ጥዑያት እውን ኣብ መንጎ እቶም ነጋድያን ኣይሰኣኑን።
መቛድስቲ ናብራይ አእጃሞም ሒዞም እዮም ዝበጽሑኒ። ጥራይ ኢዱ ልዳት ቤተይ ዝረግጽ የሎን። እቲ ኸማይ ዕሽው ዝበለ ኻብ ዕሽነቱ፣ ለባም ካብ ልቦናኡ፣ ድኻ ኻብ ድኽነቱ፣ ፈላጥ ካብ ፍልጠቱ፡ መሃይም ካብ መሃይምነቱ፡ ሃብታም ካብ ሃብቱ፣ ትዕቢተኛ ኻብ ትዕቢቱ፣ ሓሳዊ ኻብ ሓሶቱ፡ ንጉስ ካብ ንግስነቱ፣ ጊላ ኻብ ጊላነቱ፣ ዓዃይ ካብ ሸዊቱ፣ ነጋዳይ ካብ መኽሰቡ፣ ስሱዕ ካብ ስሰዐኡ ዅሉ ቘቋጺሩ ይነግደኒ። ናጽላታት፡ ኣባጽሕን ኣረጋውያን እዮም። ከም በጻሕቲ ይሰግዱለይ ከም ተቐባሊ እሰግደሎም።
እቶም ነንሓድሕዶም ዘይፋቐሩ ኣብ ቤተይ ይራኸቡ። ብደናጉላ ኣተሓሳስባታት ከይፋግኡስ ጠስሚ ጸርፊ ክለኻኸዩን ዕረ ናእዳ ኽቀባብኡን ኣሰልክዮምኒ። ባጫ ዝሕብሩ ሰሓቕ እስሕቆም። ንኸንቱ ኽወዳደሱን ብዘይ ረብሕ ክናኸሱን የታኽሱኒ። ድሕሪ ቐምታ ድማ ብመደረጋሕ ጠቐነታቶም እበራረበር። ንኣይ እውን ኣረኻኺቦምለይ፡፡ ጠቐኖኦምን ሕሜታኦምን ኣሰልክዩኒ። ‘ከምኡ ዝገብር ከምኡ ይነግር’ ብዝብል እሓልፎ። ዕብራን ኣተሓሳስባታት ኣለዎም። ንህይወት ላዕሊ-ላዕሊ እዮም ዝነብርዋ። ንህሉው’ምበር ንመጻኢ ኣይጥምቱን። ሓባሪ መገዲ ድሌታቶም ከነጽሩ ኣይፍትኑን እዮም። እተን ዝለቐምወን ፊደላት፡ ምሉእ-ሓሳብ ዘየቑማ፡ ባሩድ ናይተን ዝውርውርወን ቃላት እየን። ኲናት ጸርፍታቶም ካብ ደማዊ ውግእ ይኸፍእ። ብፍላይ፡ እቶም ኣብ ማሕበራውያን መራኸቢታት፡ ኣብ ድፋዓት ስም ብርዒ ተሓቢኦም ዘሳስዩ፡ ንስሞም ክኽውሉ ንዕሩቕ ኣተሓሳስባታቶም ኣይክውሉን እዮም። ድፋዕ ስም-ብርዒ ግን ክሳዕ ክንድኡ ድዩ ዘድፍር፧ ሰይጣን ዲዩ ዘባእሶም ስልጣን ኣይንጽረለይን። መኾስ ጉዳያቶም ብሳልሳይ ኢድ ተታሒዙ ጸብሖም እናኸሓነ ኣድህቦ ኣይህብዎን። ዘይፋቐሩ ኽንሶም፡ በቲ ኣብ ቤተይ፡ ንስለይ ኢሎም ዝገብርዎ ሕድገታት ግን እሕጎስ። አፍቅሮም ድማ። ፍልልዮም ክጸብብ እሞ ኽላዘቡ፡ ፈትሊ ፍቕሮም ክኸውን ኣይጸልእን። ምስቶም ዝጸልኡኒ ኸ’ሞ ከመይ ይኹን፧
ናይ ትማሊ ኣጋጣሚ ግን ፍልይ ዝበለ ነይሩ። ለይቲ ፈተናይ ኰይኑ ድማ ተመዝጊቡ ሓሊፉ ኣሎ። ሃዋርያ ምጽኦታት፣ ደወል ምጽኦታት እናደሰቑ ንኽናዘዝ ተወኪሶምኒ። ከም ልሙድ ኣቀባብላ ጋሻ፡ ተቐቢለ ማይ ኣይበልኩዎምን። ‘ነዛ ውቅብቲ ዓለምን ፍጡራታን ወለላ ፍቕረይ ስለ ዝለገስኩሎም ኣበሳ የብለይን።’ ኢለ፣ ካብ ልዳት ቤተይ መሊሰዮም። ኣብ ኣፈይ ተቐሪቡ ዝጸንሐ መልሲ ኰይኑ እምበር፣ እቲ መልሲ ከምኡ ክኸውን ከም ዘይነበሮ ድሒሩ ተነጊሩኒ። ‘ሰዓታት ተስፋ ምቑራጽ እንተዘይኰይኑ ሰዓት ምጾታት ኣይኣኸለን። ሰዓታት ተስፋ ምቑራጽ እውን እንተዀነ፡ ካብ ዋዜማኡ ኣብ ሰለስተ መዋእልን ፈረቓን ኣቢሉ’ዩ በጺሑ ዘሎ። ምጾታት ይትረፍ ክሕረስ ገና ኣይተጠንሰን።’ ክብሎም ከም ዝነበረኒ፣ መልኣኽ ዘልኣለመይ ድሕሪ እቲ ብታህዋኽ ዘምለቑኩዎ መልሲ ሕሹክ ኢሉኒ።
ሓሶት ዝጫጭሑ ፋብሪካታት፡ በለካ ለኻዓካ ኽስንዑ፡ ዓቕምታቶም ከባኽኑ እናኽርእዮም፡ እቶም መንፊት ዘይብሉ ኣእዛን ዝውንኑ የደንግጹኒ። ብእተሰንዑ ፈጠራውያን ሓሶታት ተሰናቢዶም፡ ተስፋ ንዝቖርጹ ዝእዘዝ መድሃኒት እንተሎ ሃሰው ክብል እሕልን። ክሳዕ ዝዀነ ዝኸውን፡ ኣእዛኖም ዓጽዮም ብልቦም ንኽሰምዑ ምድላዋት ከድልዮም ምዃኑ እኣምን። ነንዝተጫጭሐ ሓሶት ከኳማስዑ ግዜኦም ዘባኽኑ እንተ ዀይኖም ግን፡ መሰኻኽር ኣድማዕነት ፋብሪካታት ሓሶት ምዃኖም ኣይተርፍን። መን ንመን፡ መኣስ ብኸመይ፡ ስለምንታይ ዝብሉ፡ ንሓሳዊ ዝሓንቁ ሕቶታት ክቕርቡ ምስ ዘይክእሉ፡ ውሕጅ ሓሶትን ጸለመን ይውሰዶም’የ ዝብል። ብትሒምሒም ዘይኰነ ብጭብጢ’ዩ ግጥም። እዚ ጭልፋ ካብቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሰላልስሎ ድምጸይ እዩ።
መጋቢት 2014





Join the conversation