Skip to content

ካብ ውሽጥና ብዝረሓቕካዮ መጠን ኢና እንሓምቕ

ውሽጥንና እንከሎ ዘይተነግደ ገዳም!
ብምባል፡ ልዕሊ እቲ ምስ ካልኦት እንላለዮ ምስ ውሽጥና ኽንላለ እማመ ኸቕርብ ምደለኹ። ንገዛእ-ርእስና ኣዕሚቝና ንፈልጣዶ ኣይንፈልጣን’ዩ እቲ ሕቶ። ተዓዘብቲ ዲና ሓሰብቲ፡ ወሰንቲ ዲና ተግበርቲ፡ ክንገልጻን ከነላልያን ምደለኹ። ልዕሊ ስምና ምጥቃስ ብዝኸይድ ዕምቈት እዛረብ ምህላወይ ክዝንጋዕ የብሉን። ካልኦት ክገልጹና ምጽባይ የዋህነት ኣብ ዝዀነሉ ዘመን ንነብር ምህላውና ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ዀይኑ ይስመዓኒ። ብዋጋ ኻልኦት ክሳዕ ዘይኰነ፡ ንገዛእ-ርእስና ክሳዕ’ቲ እንፈልጣ ዕምቈት ክንገልጻን ከነላልያን፡ መሰልና ጥራይ ዘይኰነ ግቡእና መሲሉ ይረኣየኒ። ኣነ ምባል ዘሕፍረና፡ ኣነ ብምባልና ጥራይ ብኣሉታ ዘጠምተና እናመሰለና፡ ካብ ገዛእ-ርእስና እናሃደምና፡ ክንሕባእ ክንነብር የብልናን። ኣተዓባብያናን ጽልዋኡ ኣብ ህይወትናን ብድፍረት ንቐላልዓዮ። እተወሃብናዮን እተኸላእናዮን፡ ዝረኸብናዮን ዝሰኣንናዮን፡ ዝጠቐመናን ዝጐድኣናን ንገላልሃዮ። ክብርታትና እንብሎ እሞ ዘይነድፍሮ ነነጽሮ። መለለዪና ብባዕልና ነድምቆ።
ከም ሰባት፡ ብውልቀ-ኽብርታት ኢና እንልለ። ንገዛእ-ርእስና፡ ብልጫኣን ድኽመታን፡ ሕልማን ጋህዳን፡ ዘደስታን ዘሳሕያን እንታይ ምዃኑ ንፍለጣ። ናብ መን ክንቀርብ ንኽእል፡ ካብ መን ክንርሕቕ ንኽእል፡ እንጻወሮን ዘይንጻወሮን ባህርያት፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ዕዮ ኸነድምዕ ንኽእል፡ ኣብ ሓባራዊዶ ወይስ ብውልቂ፡ ቍጠዐ ዝፈጥረልናን ዘሳሕየናን ከመይ ዝበለ ምዃኑ ኽንፍትሾን ከነለልዮን ኽንብገስ ተመራጺ’ዩ። ሕጂ እውን ኣብቲ እኩብ ኴንና ብዕስለ ንሓስብ ከይንህሉን ስክፍታ ኣለኒ። ብዛዕባ እቲ ኸም ውልቀ-ሰብ ንበይንና ዝምልከትን ኣብ ውልቀ-ባህርናን ኣተኲረ እዛረብ ምህላወይ ኣይንስሓት።
ክብርታትና እንብሎም፡ እተዋሃብናዮም ድዮም ዘማዕበልናዮም፧ ሓሊኾም ሒዞምና ኸይህልዉ ንምርምሮምዶ፧ ዘማዕቡሉና ድዮም ዝደቝሱና፧ ብመንፊትና ዲና እነሕልፎም ወይስ ብመንፊቶም’ዮም ዘሕልፉና፧ ብዓቐንና ድዮም ተሰፍዮም ብዓቐን ካልኦት፧ ይበቕዑና ድዮም ንበቕዖም፧ ጽልዋኦም ክሳዕ ክንደይ ይኸውን፧ ተጸለውቲ ዲናኸ ጸለውቲ፧ ጸለውትና ብኸመይ ንመርጾም፧ ይቈጻጸሩና ድዮም ንቈጻጸሮም፧ ክንጽር ኣለዎ ምበልኩ። ከም ማሕበራውያን እንስሳታት መጠን፡ ምስ ከማና ሰባት ብዝህልወና ቕርበት፡ ንግዳምና፡ ብኸፊል እውን ንእንታይነትና ኸም ዝፈልጥዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ንግብርናን ጽዋናን ብመንጽር መቓን መወከሲኦም ኽትርጕምዎ ወይ ክገልጽዎ ይፍትኑ ይዀኑ። ብወገንና እውን ንገልጽን ትርጕም ንህብን ኢና። ልክዕ ዘለና ይመስለና፡ ልክዕ ግን ኣይኰነን። እንታይነትና ብኻልኦት ክግለጽ እንከሎ፡ ወይ እውን ንሕና ንእንታይነት ካልኦት ኣብ እንገልጸሉ ምሉእነት ዘይህልወሉ ምኽንያት፡ እቲ ልክዕ መነጸር ኣብ መዓላ ይውዕል ብዘይ ምህላዉ’ዩ። መነጸር ተጠቃሚኡ እምበር መነጸር ተገላጺ ኣይኰነን። ብገዛእ-ርእስና ንገዛእ-ርእስና ኣብ እንገልጸሉን እነላልየሉን ግን እቲ ዝበለጸን ኣድማዕነት ዘለዎን ይኸውን።
ከምቲ እንታይነትና ብኻልኦት ሰባት ክግለጽ እንከሎ ምሉእነት ዘይህልዎ፡ ንውሽጥና ማዕረኦም ዘይንፈልጦ ወይ ዘይንገልጾ ኸይንኸውን’ዩ ኸሰክፈና ዘለዎ። ንገዛ-ርእስና ኣብ እንገልጸሉ፡ ካልኦት ብዝደልዩና ወይ ዝጽበዩና እናሓሰብና ዘይኰነ፡ ንሕና ብእንፈልጣ ገዛእ-ርእስና፡ እንደልዮን እንሓስቦን ኽኸውን’ዩ ተመራጺ። ንዕግበት ካልኦት ዘይኰነ ንዕግበትና ኽኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ገዛእ-ርእስና ኽንጸዊ ምስ ዘይንበቅዕ፡ ንኻልኦት ክንገልጽ ብቕዓት ዝህልወና ኣይመስለንን። ብእኩብ ንምሕሳብ ኣብ ዘይፈቅድ ዓለም ምህላውና ነስተውዕለሉ ንኸውን። ብቐንዱ፡ ውልቀ-መንነት ብዋናኡ ብዕምቈት ከይተለለየ፡ ሓባራዊ መንነት ክቐውም ዘሎ ተኽእሎ ጽብብ ዝበለ’ዩ። ካብቲ መሕብኢ ስንፍናና ኽንወጽእ እምበኣር ከም ቀዳማይ ምርጫ ኽረአ ኣለዎ። ንሰብ ይጥዓሞ፡ ንገዛእ-ርእሰና ይሕሰማ ኸም ዝትርጐም ንዘክር። ንገዛእ-ርእስና ኽጥዕማ እንተ ዘይክኢሉ ንዝዀነ ሰብ ክጥዕሞ ኸም ዘይክእል ዘጠራጥር የብሉን።
ኣበይ ከም ዘለና ዘገድስ ኣይኰነን። ካብ ውሽጥና ተሰዲድና፡ ዕግበት ርሒቑና፡ ኣብ ቀንፈዘው ምህላውና ዘረጋግጽ ግን ገለ ተዓዚበ ኣለኹ። ኣብ ዝሃለና ንሃሉ፡ ናብ ዘቋመትና ነቋምት፡ ብኣካል ኣብ ዝዓለብና ንዕለብ፡ ንውሽጥና ኽሳዕ ዘይበጻሕካዮ ናብ እንበጽሖ ኸም ዘየልቦ ግን ጭብጢ ዘድልዮ ኣይኰነን። ውሽጥና’ዩ መበገሲ ዅሉ። ውሽጥና’ዩ ድማ እቲ ማእከል መቈጻጸሪ። ውሽጥና ምስ ዝዓኑ ኽንሃንጾ እንኽእል የልቦን።
ካብ ብነጋዶ ዝመሓደር፡ ብደላሎ ዝምእዘን ህይወት ዝኸፍእ እንታይ ኣሎ፧ ክሳድና ብፍቓድና ንስሕለት ምቕራብ ከመይ ኢልና ኽንመርጾ ንኽእል፧ ውሽጥኻ ዘይምርካብ’ዩ መበገሲ ባዶነት። ንውሽጥና ኽሳዕ ዘይፈለጥናዮ፡ ክንፈልጦ እንኽእል ዝህሉ ኣይመስለንን። “እንታይ ኣለኒ፡ እንታይከ ጐዲሉኒ ኣሎ፧ ብኸመይ ክምልኦ እኽእል፧” ኢልና ኽንሓትት ምስ ዘይንኽእል፡ ካብቲ ዘዕወንውነና ዘሎ ኽንደየናይ ሓራ ኸይንኸውን። ንገዛእ-ርእሱ ኣዕሚቑ ዝፈለጠ’ዩ ንኻልኦት ክፈልጥ ዘይጽገም። ብርግጽ፡ ግዳይ ዘይጭበጥ ጫውጫውታ ዄንና ኣለና። መንፈስ ግዳይነት ተቘጻጺሩና ኣሎ። ሓሳብና ምእርናብ ስኢንናዮ ተበታቲኑ፡ ጉልበትና ማህሚኑ፡ ሓይልና ይጠልመና ኣሎ። ተጸበይቲ ለውጢ ዄንና ቛሕመም ንብል ኣለና።
ከነነቓቕሖ ዘለና ዝኣወለ መንፈስና ኣደቂስና፡ ተኸሳሲ ንምርካብ ንሃልኽ ምህላውና ተዓዚበ ኣለኹ። ካብ ሓላፍነት ገዛእ-ርእስና ሃዲምና ንዘይንበቕዖ ሓላፍነት ነቋምት ምህላውና ዘሕንኽ’ዩ። ከም መሕብኢ ዝመረጽናዮ በዓቲ ንግዜኡ ኻብ ምዕቋብ ዝሓልፍ መፍትሒ ዝርከቦ ኣይኰነን። ንተኸሳሲ ንረስዓዮ፡ ካብ ውሽጥና እውን ንጐሓፎ። ከሳስን ተኸሳስን ንዘጻሪ ኣካል ወይ ትካል ንግደፈሉ። ንኸሳስን ተኸሳስን ዝሰምዕ ብቝዕ ትካል እንተ ንሃንጽ ከኣ ዝበለጸ ምዃነ። እንገብሮ ነገር ስለ ዘየሎ፡ ንገዛእ-ርእስና ኣብ ምኽሳስ እውን ግዜ ኣይነጥፍእ። መዝሙር ንቐይር። ዝሓለፈ ሓሊፉ ኣሎ። ንህልው ክልክመልና ንመጻኢ እውን ክጨውየልና እንተ ዘይኰይኑ ኸነሕውዮ እንኽእል ኣይኰነን። እቲ ዕድል በቃ ኣምሊጡ እዩ። ህልውናን መጻኢናን ጥራይ ነጸብቕ።
ዕግበት ርሒቑና ኻብ እንነብር፡ ዕግበት ንምፍጣር፡ ናብ ውቅያኖስ ውሽጥና ኽንጥሕልን ኣብ ውሽጥና ኽንሕምብስን’ዩ ዘሎና። ንኹሉ እቲ እተወሃብናዮን ዘይጠቕመናን ድርዕቶ ብሓዊ ነቃጽሎ። ኣብ ውሽጥና ዘይተተንከፈ ጸጋታት ከም ዘሎ ነቕልብ። ክንብርብሮ ምስ እንኽእል፡ ካብ ገዛእ-ርእስና ሓሊፉ ንኸባቢና ዝቕይር ክዙን ጸዓት’ዩ። ንትርግታ ልብና ልዕሊ ገዛእ-ርእስና ኽሰምዖ ዝኽእል የልቦን።
እተበላሸወ ወይ መዓልቱ ዘሕለፈ ኣስቤዛ ዘይምግዛእ። ንጥዕናና ኸጓድል፡ መሪዙ ኽድንሰና ወይ ክቐትለና እንተ ዘይኰይኑ፡ ብጥዕና ዘንብረና ኣይኰነን። ናብ ኣእምሮና እነእትዎ ነገር እውን ልዕሊ እቲ ናብ ከስዐና ዝኣቱ ጥዕና ኽህልዎ ይምረጽ። ጥዕና ኣእምሮና ምስ ዘይሕሎ፡ ጥዕናና ኣብቂዑ ኣሎ። ‘መልሓስ ዓጽሚ የብላን ዓጽሚ ግን ትሰብር’ ከም ዝብልዎ፡ ጥዕና ብመልሓስና ዝወፍሩ ቓላት ክንሕልዎ ኣይጽላእን። እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዘውጻእናዮ ኽንውጋእን ክንሳቐን ኢና። ከምቲ ዝዘራእናዮ እንዓጽዶ፡ እቲ ዘፋነናዮ ቓል እዩ ተመሊሱ ዝመጽእ። ዳንዴር ዝዀነ ቓላት ኣፋኒና፡ ወለላ መዓር ምስ እንጽበ፡ ሕጊ ኣድማስ ከም ዘይሓዝናዮ እዩ ዘመልክት። ቃንዛ ዝፈጥር ድዩ ቓንዛ ዘጥፍእ፡ እቲ እንህቦ’ዩ ተመሊሱ ዝመጽእ። ኵሉ ኸም ኢድና’ዩ። ንገዛእ-ርእስና ዝኸውን እንመርጽ እምበኣር ባዕልና ኢና። ዓስቢ ዝኸፍል ወይ ሕነ ዝፈዲ ድማ እዚ ኣካሉ ዝዀንና ሕጊ ኣድማስ ምዃኑ ንስሕቶ ኣይመስለንን።
ሎሚ እውን ንኽዕንቅፍ ኢለ ኣይተበገስኩን። ዝዕንቅፍ ይጽለኣኒ። ከም ደንጐላ፡ ኣብ መገዲ ተጋሕቲነ ምሕላፍ ከሊአ ምስ ዝህሉ ድማ ተኣሊኻ ምሕላፍ ከም ዝከኣል አዘኻኽር። ሰናይ ዘበለ እምነ።
Reader discussion

Join the conversation

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *