Skip to content

ማሕበራዊ ጕዳይ፡ መርዓን ሓዳርን ስደት

መርዓ፡ ሓደ ካብ ክብርታት ህዝቢ ዓለም ምዃኑ’ዩ።
ክልተ መጻምድቲ ብሓባር ንኽነብሩ ድማ ውዕሎም ምእኩል ይገብሩሉ። ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ መልክዓት መርዓ ኣለዉ።
ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ምምሕዳራዊ ክኸውን ይኽእል።
ንሕና ስሱዓት ሕብረተ-ሰብ ግዲ ዄንና ወይ እውን ስለ ዘይንተኣማመን፡ ንመርዓታትና ብባህላውን ዘመናውን፡ ማለት ኣብ ኣብያተ እምነትን ምምሕዳርን ውዕላት ኢና እንድርዖ። መሰኻኽር ከነብዝሕ መዓት ኢና። ብ ቤተዘመድ ሽማግለ ጀሚርካ ናብ ሃይማኖታዊ ትካል፡ ካብ ሃይማኖታዊ ድማ ናብ ምምሕዳር ማለት ማዘጋጃ ቤት ኰለል ኢና እንብል። ግዜን ጸዓትን ዝቝጥብ ኣቋራጭ መገዲ እንከሎ፡ ንምንታይ ክንድዚ ዀለል እንድዒ።
ሎሚ ሎሚ እውን፡ ነዚ ብኻልእ መልክዕ ኢና እንኸዶ ዘለና። ተጻመድቲ ባዕልና ንዝጀመርናዮ ጕዕዞ፡ “ተኣማሚንና ዝጀመርናዮ ጕዕዞ ኣብዚ ኣብጺሕናዮ ኣለና እሞ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ጕዕዞ ፈተና ኽህልዎ ስለ ዝኽእል ዋሕስ ክትኰኑና፡ ስምዑልናን ረኣዩልናን” ዝኸውን ዘሎ ይመስል። ቃል ተኣታቲና ኢና ግን ቃል ኪዳን ኣእሱርና ይብሉ።
መራሕቲ ሃይማኖት እውን ተሓዋዊስዎም ዘሎ’ዩ ዝመስል። ውዕሎም የሕድሱሎም ከም ዘለዉ ድዮም ዘየስተውዕሉ ወይስ ንቡር ንኽፍጽሙ ኣየድሓርሕሩን። ብኻልእ መልክዕ እውን፡ ካብ መንግስቲ ንዝተሓብአ ሓዳር መራሕቲ ሃይማኖት ዋሕስ ይዀንዎ ኣሎዉ። ብኸምኡ ግዲ ዀይኑ ድማ እቲ መርዓና ሰንኰፍ ይኸውን ኣሎ። ዘይተኣማመኑ ማሕላ የብዝሑ ኸም ዝብልዎ፡ ፈቐድኡ ማሕላ፡ ፈቐዶኡ ምጥላም ይኸውን ኣሎ።
ኣብ ሕብረተ ሰብና፡ መርዓ ብገበታ’ዩ ዝጽንበል ዘሎ። ወረ እታ ዝዓበየት ዋኒንና ንሳ ኸይትኸውን’ዩ ዘጠራጥር። ወለዲ፡ ጨቐቕ ኢሎም ድዩ ተለቂሖም ተመርቂሖም ንመርዓ፡ መንእሰይስ ጨቐቕ ዝበሎ ንመርዓ። ቅያር ዘይብላ ውርሻ’ያ ዀይና ዘላ። እቲ ጽቡቕ ነገር መርዓ፡ ንማሕበራዊ መተኣኻኸቢ፡ ንዝተነፋፈቐ መራኸቢ ምዃኑ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ስደትስ ንኽንደይ እውን መላለዪ ይኸውን ኣሎ። ንኽንደይ ድማ መቀያየሚ ይኸውን ኣሎ።
ኣደጋግሳ መርዓና ግን ከመይ’ዩ ዘሎ፧
ኣብ ሓደ መርዓ ኣለና። ልዕሊ 230 ኪሜ ተጓዕዝና መጺእና ኣለና። ኣብ ናይ ዕድመ ወረቐት ተጻሒፉ ኸም ዘሎ፡ ሰዓት ሓደ’ዩ ዝብል። ካብ እንመጽእ ጥራይ’ኳ ኽልተ ሰዓት ሓሊፉስ፡ ሳልሳይ ተፋሪቑ ኣሎ። ዳግማይ ምጽኣት እየሱስ ከም እንጽበ ግን ቃህመም ንብል ኣለና። ማይ ዝኸላእካያ ህበይ ንመስል። መርዓውቲ እንተ በልካ መርዓውቲ ትመስክር። ጭልም ኰይኑ ኣሎ። ዓቕልና ምስ ጸበበና፡ ይፈልጡ እዮም ንዝበልናዮም ተወኪስና። መርዓውቲ ኣብ ስእሊ ኸም ዘለዉ፡ ይመጽኡ ኸም ዘለዉ ኻብ ዝሕብሩ ድማ ማዕረ ዝተጸበናዮ ኸም ዝዀነ ፈሊጥና ኣሎና።
ንምሳሕ ዝተዓደምናዮ ንድራር ኰይኑ ኣሎ። ሰዓት ሓደ መጺኡ ሰዓት ሽዱሽተ ኽምለስ ዝሓሰበ ዕዱም፡ ሓሙሽተ ሰዓት ካብ ዕድመኡ ቝማር ተባሂሉ ኣሎ። ግዜ ምስራቕ ባህልና ስለ ዝዀነ፡ ዝጠፍእ ዘሎ ግዜ ኣተሓሳሳቢ ኣይመስልን።
ድሕሪ ኽንደይ ትጽቢት መርዓውቲ ብኒሞዝኒ ገፈፍ እናበሉ መጺኦም። ንቡር ከይተርፍ፡ “ስቦ ለጋዕ መውስቦ፡” ተባሂሉ፡ ወለዲ መርዓትን መርዓውን ምስ መርዓውን መርዓትን ተሓዋኢሶም ጨፊሮም። ስደት ዝፈጠሮ ኻልእ ምስሊ’ዩ። “መጺእኻለይዶ መጺእኻለይዶ ኽጽበየካ” ዝነበረ፡ “መጺእኩምለይዶ መጺእኩምለይዶ ኽጽበየኩም” ተደሪፉ። እቲ ገፋሕፋሕ’ኳ እንተ ዘይተረፈ፡ ኣብ ሓደ ኣደራሽ ምዃኑ ግን ይሓይሽ። ማዕረኡ ዝመጽአ ሕንፍሽፍሽ ግን ኣሎ።
“ሓሸው እናበለ፡ እናበለ፡ ሓሾው እናበለ ኣቶ” ተባሂሉ፡ ሓደ ኽልተ ጓይላ ተዀሊሉ። ግዜ ይኸይድ፡ ጕዳይ ንድሕሪት ይምጠጥ። ትካልን ዋሕስን ኰይኑ። ንይምሰል፡ ሓውሲ ተዋስኦ ደው ዝብሉ ይረኣዩ። ካብ ቋንቋ ኣደ ናብ ቋንቋ ኣደ ተርጓማይ ዘድልዮ ኣጋጣሚ ይኽሰት። እቲ ዘይምርድዳእ ኣብ ሕጊ እንዳባ’ዩ። ሕጊ እንጋንኣዶ ሕጊ ደቂ ሃብተስሉስ፡ ሕጊ ሸውዓተ ዓንሰባዶ ወይስ ክልተ መንሳዕ፡ ኣድግናተገለባዶ ሕጊ ሎጎጭዋ፡ ኣድከመ ምልጋእዶ
ብኽንደይ ሕጊ ኸም እንዳነ ጠፊኡና። ብዕምቈት ንፈልጦም እንተንኸውን ኣይመኽፍአን። ብቓል ዝወረስናዮ ወይ ዓንቀጻቱ ገንጺልና ዘይነበብናዮ ግን ከኣ ኸነተግብሮ ንጽዕት። በቲ ሕጊ ምዕራባዊ ዓለም፡ በቲ ባህላዊ ሕጊ፡ በቲ ሃይማኖታዊ፡ በቲ ምምሕዳራዊ ንዅሉ ኸነተግብርን ካብ ኵሉ ኸይንተርፍን ላሕ ኰይኑ። ሕውስዋስ ሕግታት እንዳባ፡ ተሓዋዊሶም ከም ደቂ ባቢሎን ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና። ኣበይ ክንሰማማዕ፧
ኣብ ሕጊ እንዳባ፡ ኣብ ኣፈጻጽማ ስርዓተ መርዓ ርሒብ ፍልልያት ኣሎ። ኣብ ትካልን ኣፈጻጽማን ውዕል መርዓ ኸኣ ሓንሳብ ሓንሳብ ርኡይ ፍልልይን ዘይምርድዳእን ኣሎ። ኣብ ኣብ ሕግታት እንዳባ ብዕምቈት መጽናዕቲ ዘካየደ’ዩ ድማ ተርጓማይ ንኽኸውን ዝበቅዕ። ብቐሊሉ ግን ይርከብዶ’ዩ እቲ ሕትቶ።
ዋሕስ ዳስን ዋሕስ ድጊን ብኸመይ ይጠዓዓም፧
“እሞ ክንደይ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጽአ ዕዱም ኣሎ።
ውዒለን ሰሚዐን ንኽብልስ፡ ናብ ትካልና ኽንኣቱ፡ ኣቦ ዳስ ሃቡና፡” ይኸውን። ኣቦ/ሸቃ ዳስ መሰማምዒን ላዕለዋይ ተዓጣቕን ዳስ’ዩ። ክልተ ወይ ሓደ ኽኸውን ይኽእል።
ኣቦ/ሸቃ ዳስ ምስ ጸደቐ፡ “ዋሕስ ሃቡና ዋሕስ ዳስ፡” ይበሃል። ዋሕስ ዳስ ብኽልተ ወገን ተሸይሙ ቕቡል ይኸውን። ኣብዚ መዓልቲ፡ ኣብ ዳስ ንዘጋጥም ተሓታቲ’ዩ።
ዋሕስ ድጊ ይቕጽል።
ዋሕስ ድጊ፡ ዋሕስ ጓል እውን ይበሃል እዩ።
እንዳ ወዲ ንሓደ ወዲ ዓዲ ዋሕስ ንኽዀኖም ይረቝሑ።
“ተወሓሰና እገለ ወዲ እገለ!”
“ትወሓስዶ እገለ ወዲ እገለ፧”
“ኣነ እኳ ምሳኹም ኰይነ ዋሕስ ከትክል’ዩ ዝግበኣኒ። ፍቓድኩም እንተ ዀይኑ ግን እወሓሶም።” ዋሕስ ክኸውን ዝተዘውዐ፡ ነጸላኡ ተወንዚፉ ይዛረብ።
“ሓዋ ይወሓሳ ስለ ዝዀነ፡ ፈቒድና ኣሎና። ትወሓስዶ መንግስቲ ይሙቱ፧” እንዳ ጓል ይፈቕድሉ።
“እወሓስ።”
“ሐራይ ዋሕስስ ኣርኢኹምና፡ ወድና እንታይ ሓዳሩ፧” ቍምነገር እናዓመቘ ይኸይድ።
“ወድኹም ማእከላይ’ዩ። ቅድሚኡ ኣምሲልና ኢና። ፍቓድኩም እንተ ዀይኑ፡ እግሪ ዳሕራይ ኣብ እግሪ ቐዳማይ፡ ፋርሸም ክትገብሩልና ንሓትት። እንተ ዀነ፡ ዓዲ ጐይታይ ብዘመሓደርኩምና ንመሓደር፡ ፍቓድኩም ይኹን።”
ቦኽሪ እንተ ዀይኑ እውን ወይ ሕሳስ ልደ እንተዀይኑ እውን ከከም ኵነታቱ ይጥቀስ። ኣብዚ እቲ ኣፍልጦ ዘለዎ ተርጓማይን መጠዓዓምን የድሊ። እቲ ዝወሃብ ውህብቶ ወይ ገዝሚ ብኸመይ ይመሓደር፡ ንመን ይብጽሖን ኣይብጽሖን ኣብዚ ትካል’ዩ ዝንጽር።
“ሕራይ፡ ወድና ማእላይ ምዃኑ ነጊርኩምና፡ እንታይን ሂብኩምና፡ እንታይን ሃብናኩም፧”
“ንሕና ዝሃብና የብልናን። ጓል ሃቡና ኽንብል መጺእና ግን ጓልን መምለሲ እግርን ሂብኩምና።”
“ድሓን ንስኹም እውን ሂብኩም ኢኹም። ምሳኹም ይጽንሓልና ኢልናኩም እምበር ምሉእ ዘይጕዱል ሂብኩም። “ከተጸብቑና ኢልኩም እምበር ዝሃብና የብልናን ዓዲ ጐይታይ” ጌርካ ኸም ዘይገበርካ ዄንካ ትቐርብ።
“እምበኣርከስ፡ ብዝሓተትኩምዎ መሰረት፡ ትካል ፋርሸም ጌርናልኩም ኣለና። እገለ ወዲ እገለ፡ ላዕላይ ታሕታይን ዳስ ብዝተሰማምዕሉ፡ ትወሓስዶ መንግሲቲ ይሙቱ፧”
“ዋሕስኩምዶ፧” ዋሕስ ብግዲኡ የረጋግጽ።
“ዋሕስና”
“እወሓስ!”
“ትወሓስዶ ኸም ኣሞታታን ሓትነታታን፧”
“እወሓስ!”
“እምበኣር ርካብና ኽንህብስ፡ ክንደይ ዓበይትን ክንደይ ሊቃውንትን ኣለኹም እሞ ይፍታሕ በሉልና።” ጕዳይ ገዝሚ።
“ኣበነብስን ታቦትን ብዝተረፈስ ይፍታሕ ኢልና ኢና፡”
“ንታቦት ክልተ ዓዲ፡ ክንድዚ፡ ንኣበነንብሲ ክንድዚ፡” ኢልና ኣለና።
“ገዝምኹም፡ ክንድዚ እዩ። ካብዚ እቲ ኽንድዚ ኣቐዲሙ ዝኣተወ እዩ። ናይ ሕጂ ድማ ኽንድዚ ወሲኽናኩም ኣለና። ተቋጻጻራይ ብዝገድፍካ ጋሻ ደሓን ወዓል። ተቐመጡልና። ብልዑ ስተዩ።” ይበሃል።
ኣብዚ ዝሃልኽ ግዜ መወዳእታ የብሉን። ነዚ ዅሉ ድማ ኢና ሒዝናዮ ናብ ስደት ኣምሪሕናስ ለለ ንብለሉ ዘለና። እዚ ኹሉ ንስለ ባህሊን ልምድን ክሳዕ ዝፍጸም ክንደይ ግዜ ይሃልቕ። ኣብ ዓዱስ እኳ ንቡር ኰይኑ፡ ኣብ ዘይዓዱ ግን ድኻምን ሃልክን’ዩ።
ኣብ ልዕሊ ትጽቢትና ትጽቢት ወሲኽና፡ ፍጭም ክብል ዝወዓለ ህዝቢ ጾመ ልጓም ክፈትሕ እናተጸበና፡ ካህን ክባርኽ ነይርዎ። ቅድሚ ምብራኽ ግን ኣብ ስብከት ኣድሂቡ ኣሎ። ግዜ ይምጠጥ። ብዝዀነ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ንመርዓውቲ ኣኸቲሎም ምግቢ ኽሕዙ፡ ወሉድን ቤተ ዘመድን ተኸቲሎምዎም። እቶም ቀዳሞት ዘልዓሉ መኣዶም ወዲኦም፡ ማእከሎት እናበልዑ፡ ዝደሓሩ ድማ ምግቢ ኸልዕሉ ተሰሪዖም እንከለዉ ጸሎት ኰይኑ። ሓበጀረዋይ’ዩ። መን’ዩ ዋና፡ መን’ዩ ዘጸብቕ፡ መን’ዩ ዝጽይቕ ፍሉጥ ኣይኰነን።
ብውሕዱ፡ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ተጓዒዝና ዝመጻእናዮ ጕዳይ፡ ሓሙሽተ ሰዓት ብቓህመም ኣሕሊፍና፡ ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ሰዓት ንባህላዊ ተዋስኦ ፍጻመታት መርዓ ብዓቕሊ ኣወፊና፡ ሓደ ወይ ክልተ ጓይላ ተዓዚብና፡ ነቲ ንመምለሲና ዝጠፍእ ገለ ኽልተ ሰዓትን ፈረቓን እነጥፍኦ ግዜ ወሲኽና፡ ነዛ መዓልቲ ተፋኒናያ ኣለና። ካብ ኵሉ ኸይንተርፍ፡ ንሓደ’ኳ ዘይነጽፍፍ ምዃንናስ ኣየተሓሳስብንዶ፧
Reader discussion

Join the conversation

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *