Skip to content

ሰብን እንስሳታትን

ሰብ፡ ረብሓ ንዘይረኽበሉ ነገር ጸዓት ኣየጥፍኣሉን’ዩ። ምስኡ ንኽነብሩ ዘልመዶም እንስሳታት ንጥቕሙ’ምበር ብሓልዮት ኣይኰነን። ንሰብ እናሰጐጐኸ ኸመይ ኣቢሉ እንስሳታት የቕርብ፧ እዚ ዘገርም የብሉን። ንሰብ ሓደ ሳዕ ወይ ክልተ ሳዕ ጥራይ ኢኻ ኽትምዝምዞ እትኽእል። እቲ መስርሕ ከኣ ብምትላል ወይ ብግርህና ይፍጸም። ድሕሪኡ ወይ እቲ ተመዝማዚ ይልብም ወይ ከኣ እቲ መዝማዚ ስለ ዝስስዕ ወይ ዝመኑ ናብ ካልእ ይሓልፍ። ኣብ እንስሳታት ግን ከምኡ ኣይኰነን። ቀጻልነቱ ዘውሓሰ ምዝመዛ ኸም ዘሎ ተኣማሚኑ’ዩ ዝኣትዎ። ንእንስሳታት ኣልሚዱ ምስኡ ኸንብሮም ዝወሰነ’ምበኣር ምኽንያት ነይርዎ። በለጽ! ብህይወት እንከለዉ ንጉልበቶም፡ ጸባኦምን እንቋቑሖኦምን፡ ድሕሪ ሞቶም ድማ ንስጋኦምን ቈርበቶምን ክምዝምዝ’ዩ ዝቐርቦም ወይ ዘቕርቦም። ስጋኦም ንመዕንገሊ፡ ቈርበቶም ድማ ንማእስን ልብስን ክትቀመሉ ውን ይረአ። በቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝተዋህበ ትእዛዝ ከም ዝተፈቕደሉ ድማ ምኽኑይ ይገብሮ። ኣዕጽምቶም፡ ኣቕርንቶምን ኣስናኖምን ከይተረፈ ንመጋየጺ የውዕሎ። እንስሳታት ግን ካብ ሰብ ዝረኽብዎ ወላሓደ ጥቕሚ የብሎምን። እቲ ካብ ሰብ ዝረኽብዎ ዝመስለና ጕንዖ፡ መጠበሪ ጥራይ’ዩ። ከም’ዞም “ዝበልዐት ከብዲ ……” እናተባህለ ዝምሰለሎም፡ ብገለ መፈናፈኒ ኣብ ረብሓኻ እተውዕሎም ሰብ መዚ፡ ብዕጽፍታት ክረኽቡ እናኸኣሉ ኣብ ኢድ ሰብ ይምርኰሱ። ሰብ መምህር እንስሳታት’የ እዩ ዝብል። እንስስታት ካብ ሰብ ዝመሃሩዎዶ ይበዝሕ ወይስ ሰብ ካብ እንስሳታት ዝመሃሮ ግን ምስትውዓል የድሊ። ብኣተሓሳስባ፡ ኣነባብራ፡ ሰብኣውነትን ርህራሄን ናብ ሰብ ዝቐርቡ እንስሳታትዶ ይበዝሑ ወይስ፡ ብጭካነን ኣረሜንነትን ናብ እንስሳታት ዝቐርቡ ሰባት ይበዝሑ? ዝብል ሕቶ ኣካታዒ እኳ እንተ መሰለ መልሱ ኣብ ቀረባ’ዩ ዘሎ። ከልቢ ኣምቡላንስ ተቐይራ፡ ንዝተደርበየ ናጽላ ካብ እንዳ ጐሓፍ ብምልዓል፡ ናብ ሕክምና ኣብ ዘብጽሐትሉ ክፍለ ዘመን ኢና ዘለና። ርህራሀ እንተ ዘይህልዋ ከምኡ ኣይምገበረትን። ጨካን እንተ ትኸውንን ብኸብዳ እንተ ትሓስብን ቀለብ ሳልስታ’ዩ ነይሩ። ብዓቢኡ ናብቲ እንዳ ጐሓፍ ዝወሰዳ ጕዳይ ከብዳ ምንባሩ ኣይንኽሓዶ። ገለ ተረፍ መረፍ እንተ ረኸበት ሃሰው ኣብ ምባል እንከላ ግን ዘይተጸበየቶ ኣጋጢሙዋ። ውላድ ናይቲ ጐይታይ እትብሎን እትኣምኖን ሰብ ዝኣክል ፍጡር፡ ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ተጓሒፉ ጸኒሑዋ። ጥንቃቐ ብዝመልኦ ኣገባብ ውን ብቕጽበት ናብ ኣስቢዳለ ኣብጺሓቶ። እዚ መን ይገብሮ? ብዓቢኡ፡ ነቲ ናጽላ ዝደርበየት ሰብ ምንባራ ንዘክር። ከነነጻጽር ከኣ ንፈትን። ሰብ እንስሳ ኣይኰንኩን’ዩ ዝብል። ዝበለ ይበል ደሓን። ከምኡ ኢሉ ነብሱ የደዓዕስ። እንተ ደለ ፈጣሪ’ዩ ፈጣርየይ፡ እንተ ደለ ከኣ ብፍልቀት’የ መጺአ ይበል። በቲ ኢሉ በቲ ዘምጽኦ ፍልልይ የልቦን። እንስሳ ካብ ምዃን ግን ከቶ ኣየምልጥን። ዘይ ከምቲ ንነብሱ ዝህባ ክብሪ ትሕቲ ገለ እንስሳታት ምዃኑ ገና ዘይተሰወጦ ምዃኑ’ዩ ዘገርም። ዝለበምኩ’የ እንተ በለ ውን ዝዓሸወ ምዃኑ ኣይተርፎን። ድሌት ንበይኑ ኣበይ የብጽሕ? ካብ ልቦናኦም ልቦና፡ ካብ ጥበቦም ጥበብ ዝመቐሉዎ መማህራን ህይወት ምህላዎም ዘኪሩ ኣይፈልጥን። ወትሩ ኢዶም ምስ ሰበሮም’ዩ። ሽሕ ግዜ ይኽሓዶ ግን ተኻሒዱ ዘይከሓድ ኣድማሳዊ ሓቂ ኣሎ። ጽዒርካ፡ ደኺምካ፡ ሰሪሕካ መዓር ከም ዘሎ ካብ ንህቢ’ዩ ተማሂሩ። ማሕበራዊ ኣካይዳን ምእዙዝነትን ውን ካብ ንህቢ’ዩ ርዒሙዎ። ቋርፍ መሮር ኣብ ዝምእርረሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ምስ ንህቢ ተራኺቡ። ብዅሉ ነገራቱ ተመሲጡ ውን ንኣካይዳኡ ቀዲሑዎ። እንተዀነ ኣይቀጸለን። ድሒሩ ትህኪትን እምቢታን ኣማዕቢሉ። ብኾፉ ኣነ ይበልጽ ክብል ጀሚሩ። ነዚ ካብ ሃመማ’ዩ ተማሂሩዎ ይብሃል። ስራሕ ፈቲሑ ኮፍ ምስ ኣብዝሐ፡ መሕለፊ ግዜ ክዀኖ ሕሜታ ከም ዝጀመረ ድማ ይንገር። ኣብ ዝምልከቶን ዘይምልከቶን ጠብሎቝ እናበለ ካልእ ናብራ ጀሚሩ። ሕሜታ፡ እቶት ዘይርከቦ ስራሕ ናይ ዝፈትሑ ቀንዲ ንጥፈት ምዃኑ’ዩ። ይዅን’ምበር፡ ገለ እወታ ከም ዘይሰኣኖ’ዩ ዝግለጽ። ብስራሕ ንዝተቓወሰ ኣእምሮ ከም መበራበሪ፡ መዛነዪ ወይ መሐደሲ ይጠቅም’ዩ ይብሉዎ። ተጠቀምቱ ውን ብቍጽሪ ውሑዳት ዘይምዃኖም ይግምገም። ጸሓፍትን ጨሪቐ በላዕን (ከምኡ ድማ ዘንጢለ በላዕ) ካብቶም ቀንዲ ሓመይቲ ምዃኖም ይውረየሎም። ተሃኖም ብሕሜታ ወይ ብምዝንጣል’ዮም ዘውጽኡ። ንዕዘቦ ስለ ዘለና እዚ ሓቂ’ዩ። መን’ዩ ሓሶት ዝብል? ዘይ ኣነስ ይሓሚ’የ ዘለኹ። ክኢለዮዶ ኣይከኣልኩዎን ግን ኣይፈልጥን። መነጸርኩምን ኣንቴናኹምን ደጊምኩም ኣስተኻኽሉ’ምበር፡ ጸለመን ሕሜታን ናብ ቀለም ተቐይሮም መጻሕፍቲ ኢና ይብሉ ኣለዉ። ዛንታ ውድቀቶም ወይ ዓወቶም ካብ ዘዘንትዉ፡ ራኢኦም ካብ ዝገልጹ፡ ሓሳባቶም ካብ ዝቕይሱን ዘስርጹን፡ ኣብ ዘይወዓሉዎን ዘይረኣይዎን (ብዓቢኡ ውን ዘይፈልጡዎ) ዝዋጥዩ ይበዝሑ። ንብዓል ጣፍ ብዓል ኣፍ ክወራዘየሉ ካብ ዝጅምር ኣይሓጸረን። መብዛሕትኦም ዝፈልጦም ጸሓፍቲ፡ ፊኖ ሓመይቲ ምዃኖም ንእግረ መገደይ ክምስክር። እቶም ዘይፈልጦም ውን ነጸብራቖም ኣብ ፈለጥቶም እነቦ ኣለኹ። ኣብ ከምዚ ብዙሕ ኣይሽገርን’የ። ነቲ ብኣካል ዘይፈልጦ ጸሓፊ ኣብ ከብዲ ጽሑፉ ወይ ገጽ ፈለጥቱ’የ ዝረኽቦ። ክገርመኩም፡ ንእገለ እንተ ተመልከትኩዎስ፡ ቅምጥ ኢሉ እከለ ኰይኑ ይጸንሓኒ! እሓፍር። ምስ እገለ ሌላ ስለ ዘይጸንሓንኒ እሕጐስ። ከም እከለ ካብ ኰነ ደኣ እንታይ ዋጋ ኣለዎ! ፈለጥቲ እቶም ዘይንፈልጦም፡ በጃኻትኩም ዒብ ግበሩ። “ይፈልጦ’የ፡ መዓልልተይ ነይሩ፡ ሻሂ ሰቲና፡ ኣብ ከምዚ ብሓደ ሰሪሕና ….” እናበልኩም፡ ኣብ ኣእምሮና ንዘሎ ፍጹም ቅርጺ መንነት ኣይትጀልሑዎ፡ ኣይተህስሱዎ፡ ኣይተፍርሱዎ። እቶም ብፍጹምነቶም ዝተቐበልናዮም ወላ ምስ ኢንታኦም ሕቡኣን ኰይኖም ይንበሩ ኣይትተንክፉዎም። ብፍላይ ነቶም ብፈጠራዊ ስራሓቶም ዝኣመንናሎም ብወጠምጠም ኣይትዘንጥሉዎም በጃኻትኩም። ምስ ውሽጥና ኣይተባእሱና። (ልብና ምስ ጐዳእኩምና ዝግንፍል ዘሎ ለበዋ’ዩ) ሓደራ። ይቕረታ ሃጺጸ ጸኒሐ። ነድሪ ዘይገብሮ የብሉን። “ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ንሓመድ ድጉሪ የውጽኦ” ኰይኑ’ዩ ካብ ዛዕባይ ኣውጺኡኒ። ኣብ ሕሜታን ኣመጻጽኣኡን፡ ከምኡ ውን ረብሓኡ’የ ነይረ መስለኒ። ካብ ቀውሲ ከገላግል ወይ ከበራብር ምኽኣሉ፡ እቲ እወታዊ ረብሓ ሕሜታ ምዃኑ’ዩ። ካብ ዘበራብሮ ግን ዘደንዝዞ ይዛይድ። ክንደይ ዲና ደንዚዝና ዘለና ግዲ! ብመጽናዕቲ እኳ እንተ ዘይተረጋገጸ ሰብ እቲ እንኮ ሓማዪ እንስሳ’ዩ ዝብል መደምደምታ ኣሎ። ካብ መን ወሪሱዎ፡ ካልኦት ሓመይቲ እንስሳታት ኣለዉዶ የለውን ንምፍላጥ ግን ምርምር የድሊ። ሰብ ሕጊ ዓሳ ክሳዕ ዝመሃር ነንሓድሕዱ ይበላላዕ ኣይነበረን። ምሕንባስ ካብ ዓሳ ተማሂሩ፡ ኣብ ከብዲ ባሕሪ በጺሑ ምስ ተመልሰ ግን ንሕጊ ዓሳ ከተግብር ግዜ ኣይወሰደሉን። እቲ ዝነኣሰ ብዝዓበየ እናተበልዐ ከኣ ይነብር ኣሎ። ንኸብዱ ብኸብዱ ንክኸይድ ውን ካብ ተመን ተማሂሩ። ብተወሳኺ፡ ሰብ ብዕሩቑ ከም ዝተፈጥሮ’ዩ ዝነብር ነይሩ። ካብ ባህርያዊ ቈርበቱ ወጻኢ ልብሲ ኣይነበሮን። ቈጽሊ ወዲ ቈጽሊ ለጋጊቡ (እዚኣ’ኳ ካብ መን ከም ዝተማህራ ኣይበጻሕክዋን)፡ መጀመርታ ሕፍረቱ ድሒሩ ውን ዝባኑ ክኸድን ምስ ጀመረ፡ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘሎ ዘውከኣትሉ ሳሬት’ያ ነይራ። ካብኡ ሓሊፋ ድማ ስሩዕ ትምህርቲ ማእለማ ሂባቶ። እዛ ሕጂ ካብ ገዛኡ ዘሳጉጓ ዘሎ ሳሬት፡ ሓንቲ መዓልቲ’ኳ ከም ብዓልቲ ውዕለቱ ርእዩዋ ኣይፈልጥን። ንሳ ግን ቀደም ዝጀመረትሉ ትምህርቲ ማእለማ ቅድታት እናቀያየረት ኣብ ምስትምሃሩ ትርከብ። ብዘይካ’ዚ፡ ይሓዞ ኣይሓዞ ንሃድን ዝምልከት ሜላታት ውን ወስ ትብሎ’ያ። ሸረኽ ወይ መጻወድያ ሳሬት’ያ ኣርእያቶ ይበሃል። ዳርጋ ኵሉ እቲ ኣብ ወተሃደራዊ ስነ-ፍልጠት ዝጥቀመሉ ስልትታት ካብ ህበይ ብዝረኸቦ ስልጠና’ዩ። ክዝንጋዕ ዘይብሉ፡ ህበይ እቲ እንኮ ካብ እንስሳታት ናይ ቀረባ ዘመድ ሰብ ምዃኑ ብሰብ ዝተኣመነሉ’ዩ። ሰብ፡ ካብ ዋርድያ ምውጻእ ክሳዕ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣካይዳኡ ኣካይዳ ህበይ’ዩ። ጉርሕን ተንኮልን ከኣ ማዕሪኡ። ካብ በጊዕ ንጽህናን ዕሽነትን፡ ካብ ተዅላ ምትላል፡ ካብ ገመል ቂም፡ ካብ ዝብኢ ስስዐ፡ ካብ ነብሪ ቍጠዐ፡ ካብ ነፋሒቶ ተመሳሲልካ ምሕዳር፡ ካብ ኣንበሳ ምልኪ ተማሂሩ ኣብ ግብሪ ኣውዒሉዎ። እዚታት ስለ ዘይኣኸሎ፡ ካብ ሓርገጽ ምስሉይነት (ከተምስል ምንባዕ፡ ‘ዓይኒ ከዳዕ ነባዕ’ ውን ድሕሪኡ’ዩ ተመሲሉ)፡ ካብ መንካዕ ስግንጢርነት፡ ካብ ከልቢ እምነት ወሲኹ። ካብ ጽንብላሊዕ ዘይንስኻ ምምሳል ወሲዱ፡ ዘይኰኖ ክኸውን ይፍትን ኣሎ። ኵላ ከኣ ዕርቃና ከይከደነት ዕርቃን ካልኦት ክትከድን ሒዅ ትብል ኣላ። እንታይ ኮን ገዲሱዋ’ዩ? ከምኡ ድኸሚ ኢሉዋ እምበር ተምጽኦ ፋይዳ የብላን። ኣነኸ ኣየናይ ለውጢ’የ ከምጽእ ሃተፍተፍ ዝብል ዘለኹ? ምዃን ካብ ስቕ ምዝራብ ይሓይሽ። ካብ ምዕብዓብ ውን ይነፍሰለይ። ንምጥቕላል ዝኣክል፡ ሰብ ሕማቕን ጽቡቕን ካብ ሰብ ጥራይ ኣይኰነን ዝመሃር። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ እንስሳታት ንኽፋእን ሰናይን ዓበይቲ መማህራኑ’ዮም። ንኹሉ ዘማዕበሎ ልምድን ባህልን ከኣ መበገሲኡ ይዀኑ። ንኣብነት ኣብ ጽላት ንጽህና ንርአ። ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ ጽሬት ሰብነቱን ኣከባቢኡን እንዶ ዝበሃል ኣይነበሮን። ድሙ ብምራቓ ንገጻ ክትሓጽብ ምስ ረኣያ፡ ካብኣ ቀዲሑ ገጹ ምሕጻብ ጀሚሩ። መሬት ፍሒራ፡ ጽያፋ ክትሰትር ምስ ረኣያ ድማ ዓይኒ ምድሪ ኣማዕቢሉ ቀልቀሉ ክሰትር ጀሚሩ። ሰብ ካብ ድሙ ዝተማህሮ እምበኣር ባህሊ ጽሬት’ዩ። ኣይኰነን ዝብለኒ መን ኣሎ? ነዚ ትምህርቲ እዚ መን ክኽሕዶ ይኽእል? ክሳዕ ክንደይ ኣብ ግብሪ ኣውዒሉዎ ግን መጽናዕቲ የድልዮ። ካብ እንስሳታት ዝበላሕና ኢና እናበሉ ትሕቲ እንስሳታት ዝብቕዓቶም ሰባት ግን ኣይረኣዩን እዮም ኣይበሃልን። ክፈጥሩስ ይትረፍ ቀዲሖም ከተግብሩ ዝጽገሙ ኣይወሓዱን። ኣብ ጉዳይ ጽሬት ዘሎ ጉድለቶም እኹል ኣብነት እዩ። ንዝተጠቕሙሉ ዓይኒ ምድሪ ማይ ንምድፋእ ዝግበዙ ብዙሓት እዮም። ጽያፎም፡ ብድሕሪኦም ዝመጽእ ከይርእዮስ ፈጺሞም ዘይስከፉ! ነዚኦም እንታይ ምባሎም ይሓይሽ? ብደማሙ ኣብ ዝመሓደር ኮለጅ ናይ ምሉእ ሂወት ትምህርቲ እንተ ዝእዘዘሎም ኣይምተጸልአን። ወላ’ኳ ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ እንተዀነ፡ ነቶም ብንጽህናኦም ዝፍለጡ ደማሙ ባህሎም ከየረስዕዎም ግን የስግእ። ኣዕናዊ ባህርያት ሰብ ኣብ ጉዳይ ንጽህና ኣብ ቤቱ ዝሕጸር ዘይ ምዃኑ’ዩ። ኣከባቢኡ ብምብልሻው ንህይወታዊ ብዙሕነት ኣብ ሓደጋ ከየውደቐ ኣይተረፈን። ጠንቂ መርዛም ጕሓፍን ህልቂት ሚልዮናት ፍጥረታትን ምዃኑ ዝኸሱ መዛግብቲ ክሳዕ ሎሚ ዝግንጽሎም ኣይረኸቡን። ኣበሳ ናይዚ ስልጡን’የ ዝብል እንስሳ ኣየናይ ዓንቀጽ’ዩ እሞ ክዳረጎ?

ጥሪ 2016

Reader discussion

Join the conversation

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *