Skip to content

ኢትዮጵያ፡ ብውዕል ዘይትቕየድ ቀይዲ በተኽ ‘ሃገር’

ውዕል ውጫለ፡ ኣብ ሞንጎ ናይ ሽዑ ኣቢስንያን ኢጣልያን ብ2 ግንቦት 1889 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ ኣብ ውጫለ ዝተኻየደ ውዕል’ዩ። ብመሰረት’ዚ ውዕል፡ ኢጣልያ ንናይ ሎሚ ኤርትራን ገለ ኽፋል ሰሜናዊ ትግራይን ክትቈጻጸሮ ዘኽእል ውዕል’ዩ። እቲ ብወገን ኣቢስንያ ነቲ ስምምዕ ዝኸተመ ሚኒሊክ ካልኣይ ድማ ኣምሳያኡ ገንዘብን መዳፍዕን ካብ ኢጣልያ ኽቕበል ተሰማሚዑ።
ውዕል ውጫለ ብኣምሓርኛን ጣልያንን ዝተዳለወ ቕዳሕ ከም ዝነበሮ’ዩ ሰነዳት ዘዘንቱ። ኣብ ዓንቀጽ 17 ናይቲ ስምምዕ ከኣ፡ እቲ ንኽልቲኡ ወገን ዘየረዳድእ ነጥቢ ኸም ዝነበረ ይዝረብ። እቲ ‘ተኽእሎ’ ን ‘ግዴታ’ ን ዝብል ናይ ኣተረጓጕማ ፍልልይ ናብ ዝቐጸለ ዅናት ዓድዋ ኸም ዘምርሐ ኸኣ ይግለጽ። ዓንቀጽ 17 ናይ ውዕል ውጫለ ምስ ዝረአ፡ “ሃጸይ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሓይልታት ወጻኢ ዝገብሮ ርክብ፡ ኣብ ሰናይ ድሌት መንግስቲ ኢጣልያ ዝተመርኰሰ ኽኸውን “ይኽእል/ይግባእ” ዝብል’ዩ። ንትሕዝቶ ዓንቀጽ 17 ብኽልቲኡ ቛንቋ ንዘለዎ ቓና ደጊምና ምስ እንጽሕፎ፡
ብኣተረጓጕማ ኢትዮጵያ፡ “ሃጸይ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሓይልታት ወጻኢ ዝገብሮ ርክብ፡ ኣብ ሰናይ ድሌት መንግስቲ ኢጣልያ ዝተመርኰሰ ኽኸውን ‘ይኽእል’።” ‘ይኽእል’ ዝብል፡ ኣብ ተኽእሎን ኣማራጽን ዝተሓጽረ፡ ዘይኣገዳዲ ወይ ዘይቀያዲ ምዃኑ ዘመልክት’ዩ እቲ ኣበሃህላ።
ብኣተረጓጕማ ኢጣልያ ኸኣ፡ “ሃጸይ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሓይልታት ወጻኢ ዝገብሮ ርክብ፡ ኣብ ሰናይ ድሌት መንግስቲ ኢጣልያ ዝተመርኰሰ ኽኸውን ‘ይግባእ’፡” ይብል። ኣብዚ ድማ ኣገዳዲ፡ ቀያዲ፡ ኵሉ ምንቅስቓስ ሚኒሊክ ግድን ብኣፍልጦን ፍቓድን ኢጣልያ ኽኸውን ከም ዘለዎ የመልክት።
ኢጣልያ ኻብ ናይ ገዛእ-ርእሳ ቕዳሕ’ቲ ስምምዕ ብምብጋስ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሞግዚትነታ ኸም ዝኣወጀት እውን ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ይጥቀስ። ሚኒሊክ ካልኣይ ኣብ 1890 ንሞግዚትነት ኢጣልያ ኸም ዝነጸጎ፡ ኣብ 1893 ድማ ነቲ ውዕል ብወግዒ ኸም ዝዀነኖን ከም ዘፍረሶን ይግለጽ። ኢትዮጵያን ኢጣልያን ድማ ናብ ኵናት ዓድዋ ከም ዘምርሓ ይዝንቶ።
ድሕሪኡኸ እንታይ ሰዓበ፧
ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መጋቢት 1896 ኣብ ውግእ ዓድዋ ዝረኸበቶ ወሳኒ ዓወት፡ ብ23 ጥቅምቲ 1896 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈረመ ውዕል፡ እቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያንን ኢትዮጵያን ዝነበረ ኩነታት ንግዜኡ መዕለቢ ረኸበ። እዚ ውዕል’ዚ ነቲ ብቐዳማይ ኲናት ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝፍለጥ ዘይምቅዳው፡ ንኢትዮጵያ ብዘርብሕ መገዲ ተኸተመ። ኢጣልያ፡ ንውዕል ውጫለ ሰሪዛ ንልኡላውነትን ናጽነትን ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኽትህብን ክትቅበልን ተገደደት።
ውግእ ዓድዋ ንኢጣልያ ኣዕናዊ ስዕረት’ዩ ኣስዒቡላ። ኣስታት 6,000 ወተሃደራት ኢጣልያ ኽቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 3,000 ድማ ኸም ዝተማረኹ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ድሕሪ’ዚ ውግእ፡ መንግስቲ ኢጣልያ ንናጽነት ኢትዮጵያ ኽቕበል’ዩ ተገዲዱ። እቲ ንህዝቢ ኢጣልያ ዘሰንበደ ኻብ ስልጣን ምውራድ ቀዳማይ ሚኒስተር ፍራንቸስኮ ክሪስፒ እውን ኣኸተለ። ሚኒሊክ ካልኣይ ዓቢ ዓወት ኣብ ዓድዋ ወላ ይርከብ፡ ነቲ ውግእ ናብ ኤርትራ ገጹ ንዘይምቕጻል’ዩ ወሲኑ። ኣብ ክንድኡ ንውዕል ውጫለ ምድምሳስን ኣፍልጦ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ንምርግጋጽን መረጸ። ንውሳነ ሚኒሊክ፡ ድኻም ሰራዊቱ፡ ሕጽረት ቀረብ፡ ከምኡ ድማ ንኢጣልያ ኻብ ኤርትራ ምስጓጕ ነቲ ግጭት ካልእ መልክዕ ከየትሕዞን ዝኸፍአ ሳዕቤን ኸይመጽእ ብምስጋእን፡ ነቲ ኢትዮጵያ ረኺባቶ ዝተባህለ ዓወት ናብ ሓደጋ ንዘይምውዳቕ ዝብሉን ከም ዝጸለዎ መዛግብቲ የዘንትዉ። ናብ ውዕላት ዶብ ግዝኣት ኢጣልያ ዝዀነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ኣምርሐን ባይታ ኣጣጥሐን።
ውዕላት መግዛእታዊ ዶብ ኢጣልያን ኢትዮጵያን
እቶም ካብ 1900 ክሳዕ 1908 ዝተኻየዱ መግዛእታዊ ውዕላት ዶብ ናይ ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝተኸተሙ እዮም። ኣብ 1900, 1902 ከምኡ ድማ 1908 ድማ ተኸቲሞም። እዞም ሰለስተ ዝተኸተሙ ውዕላት ዶብ፡ መተካእታ ዘይኰኑስ መቐጸልታን ተመላላእትን ኰይኖም ንህሉው ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይምልከቱ።
ቀዳማይ ውዕል ዶብ፡ 1900
ብ 10 ሓምለ 1900 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ዀይኑ፡ ካብቶም ሰለስተ ዶባዊ ውዕላት ከም ቀዳማይ ይጥቀስ። እዚ ንማእከላይ ክፋል ዝውክል ውዕል፡ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሽፍን፡ ንመስመር መረብ-በለሳ-ሙና ኣፍልጦ ዝሃበ’ዩ። ካብ ምድንባር መረብ ምስ ማይ-ኣንበሳ ጀሚሩ ክሳብ ራንዳኮም ይቕጽል። ብተፈጥሮኣዊ ዶባት ዝቖመ ዀይኑ፡ ብሩባታት መረብ፡ በለሳ፡ ሙናን ጨናፍሩን ተሓንጸጸ። እዚ ዶብ’ዚ ንኸበሳ ኤርትራን ዝበዝሐ ክፋል ክልል ትግራይ ኢትዮጵያን ዘቕውም ዶብ ምዃኑ’ዩ።
ካልኣይ ውዕል ዶብ፡ 1902
እዚ ውዕል’ዚ፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ብዕለት 15 ግንቦት 1902 ዝተኸተመ ዀይኑ፡ ካብቶም ሰለስተ ውዕላት ዶብ ድማ ኸም ካልኣይ ይቑጸር። እዚ ውዕል፡ ነቲ ምዕራባዊ ኽፋል ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሽፍን’ዩ። ዶባት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ዝራኸበሉ ስሉሳዊ ነጥቢ ጀሚሩ፡ ንወሓዚ ሰቲት(ተከዘ) ተኸቲሉ ምስ ማይ-ጠብ ይራኸብ። ማይ-ጠብ፡ ዶባት ናይ ቀደም ኣውራጃታት ኢትዮጵያ ዝዀና ትግራይን በገምድርን ምስ ኤርትራ ዝራኸበሉ ስሉሳዊ ነጥቢ’ዩ። እቲ ውዕል፡ ካብዚ ስሉሳዊ ነጥቢ ቐጺሉ ድማ፡ እቲ ውዕል፡ ንጎቦ ዓላ-ታዅራ ንኤርትራ ገዲፉ፡ ትኽ ብዝበለ ሕንጻጽ ቀጺሉ፡ ናብ ማይ ኣንበሳ ብምቕናዕ ናብ መረብ ከም ዝጽንበር ይገልጽ።
ሳልሳይ ውዕል ዶብ፡ 1908
ውዕል ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኢጣልያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ ዕለት 16 ግንቦት 1908’ዩ ተፈጺሙ። ከም ሳልሳይን ምስ ምብራቓዊ ኽፋል ዝተኣሳሰርን ውዕል ዶብ ኰይኑ ኸኣ ይግለጽ። ብመሰረት’ዚ ውዕል፡ ዶብ እታ ግዝኣት ኢጣልያ ዝዀነት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ገማግም ባሕሪ 60 ኪሎሜትር ርሒቑ፡ ምስ ገማግም ባሕሪ ማዕረ ብዝኸይድ መስመር ምዃኑ የመልክት። ካብቲ ኣብ 1900 ዝተኸተመ ነጥቢ ራንዳኮም ተበጊሱ ድማ ኽሳብ’ቲ ስሉሳዊ ነጥቢ ዶብ ጅቡቲ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዀነ ጎቦ ሙሳ-ዓሊ ይበጽሕ።
ካልኣይ ገጽ ውግእ ኢጣልያን ኢትዮጵያን
ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ናብ ኤርትራ ገጻ ኽትቅጽል ዘይከኣለት ኢትዮጵያን ብስዕረት ዓድዋ ዘይደቀሰት ኢጣልያን እንደገና ኲናት ገጠማ። እዚ ብኻልኣይ ኵናት ኢጣልያን ኢትዮጵያን ወይ ኵናት ኣቢሲንያ ዝፍለጥ ኵናት፡ ካብ 1935 ክሳዕ 1937 ዓ.ም ዝተኻየደ’ዩ። ብሙሶሊኒ እትምራሕ ኢጣልያ፡ ግዛኣታ ኣብ ኣፍሪቃ ኸተስፍሕ፡ ንኢትዮጵያ ከም ቀንዲ ዒላማ’ያ ጌራታ። ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ድማ ዝለዓለ ኢድ ሓዘት። ኢትዮጵያ፡ ወላ’ኳ ኣብ መጀመርታ ሓያል ተቓውሞ እንተ ኣርኣየት፡ ንዘመናዊ ወተሃደራዊ ኣቃውማን ዕጥቅን ኢጣልያ ኽትዓግቶ ኣይከኣለትን። ኣብ ግንቦት 1936 ድማ ኢጣልያ፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ውግእ ንርእሰ-ከተማ ኢትዮጵያ ዝዀነት ኣዲስ ኣበባ ብምቍጽጻር፡ ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ምስ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግዝኣታ ኣሕበረታ። ሃጸይ ሃይለስላሰ ድማ ተገዲዱ ናብ ስደት ኣምሪሑ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተዓቝበ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ኻብ ስደት ናብ ሃገሩ ተመልሰ።
ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣርኪቡ፡ ኢጣልያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ዅሎም ግዝኣታታ ብስዕረት ሰኣነቶም። እታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ን52 ዓመታት ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ኢንግሊዝ ኣተወት። ናጽነታዶ ትርከብ፧ ኣብ ክልተዶ ትመቐል ወይስ ናብ ኢትዮጵያ ትተሓወስ ዝብሉ ክትዓት ንዝቀጸለ 10 ዓመታት ንኣህጉራዊ መገባእያታት ብሓተ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብስማዊ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ተቘርነት።
ውዕል ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን
ፈደረሽን ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ መንጎ ሃጸያዊት ኢትዮጵያን ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበረት ኤርትራን ዝተፈጸመ ነበረ። 15 መስከረም 1952 ድማ ወግዓዊ ዀይኑ፡ ስጋ ለቢሱ። እዚ ፈደረሽን’ዚ ውጽኢት’ቲ ብ 2 ታሕሳስ 1950 ዝጸደቐ ውሳኔ ሕቡራት ሃገራት 390(A) ኰይኑ፡ ኤርትራ፡ ርእሰ-ምምሕዳራዊ ኣሃዱ ዘለዋ ዀይና፡ ኣብ ትሕቲ ዘውዳዊ ምሕደራ ኢትዮጵያ ኽትቍረን ዝተፈደረትሉ’ዩ። እቲ ውሳኔ፡ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ዝግምግም ህዝበ-ውሳነ ወይ ረፈረንደም ዘየጠቓለለ፡ ብሕርያን ዊንታን ኣሜሪካን መሻርኽታን ዝተወሰነ፡ ንባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ጐስዩ ንባህጊ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ዘርወየ ነበረ።
ኣብ’ቲ ስማዊ ፈደረሽን፡ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ቕዋም፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፍርዳዊ ኣካል ክህልዋ ይድንግግ። ብመሰረት’ቲ ፈደራላዊ ስምምዕ እውን፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ፖሊስ፡ ግብሪ፡ ውሽጣዊ ምምሕዳር ስልጣንን ምቍጽጻርን ንኽህልዋ ዘኽእል ነበረ። ኣብቲ ስምምዕ ብኣንጻሩ፡ ምክልኻል፡ ጕዳያት ወጻኢ፡ ባጤራን ፋይናንንስ ብስም መንግስቲ ፈደራል ንኢትዮጵያ ተመጠወ። ኤርትራ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ባንዴራ ኽህልዋ፡ ከም ወግዓዊ ቋንቋታታ ድማ ትግርኛ፡ ዓረብ፡ እንግሊዝኛ ኽዀኑ ኣብቲ ስምምዕ ሰፈረ።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ብስማዊ ፈደረሽን ንህዝቢ ኤርትራ ዝተመባጽዓሉ ርእሰ ምሕደራ፡ ካብቲ ተግባራዊ ዝዀነሉ ግዜ ጀሚሩ በብቑሩብ ክንፈጎን ክብሕጐግን ጀመረ። ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ካብ ምምሕዳርን ትምህርትን ከም ዘልግሱን ብኣምሓርኛ ኸም ዝትክኡን ተገብረ። ኤርትራውያን ቦታ ስራሖም ለቒቖም፡ ብተዛረብቲ ኣምሓርኛ ኢትዮጵያውያን ተተክኡ። እቲ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ተኣታትዩ ደሓን ሰጒሙ ዝነበረ ናጽነት ፕረስ ተገደበ። ባንዴራ ኤርትራ ወሪዳ፣ ማሕተም መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኻብ ኣገልግሎ ወጻኢ ዀይኑ ብቐጥታዊ ምሕደራ ሃይለስላሴ ተቐየረ። ብ15 ሕዳር 1962 ድማ ኢትዮጵያ ብበይናዊ መገዲ ነቲ ስማውን ከም መሰጋገሪ ናብ ቀጥታዊ ጎበጣን ዝነበረ ፈደረሽን ኣፍሪሳ፡ ንኤርትራ ኸም ክፍለ-ሃገር ብምቕጻር ብወግዒ ናብ ግዝኣታ ኣእተወታ።
እዚ ስጕምቲ’ዚ ነቲ ኣብ መስከረም 1961 ብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጀሚሩ፡ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዝነበረ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዳዲ ወሰኸሉ። ንሰላሳ ዓመታት ዝቐጸለ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ፡ ብዝተፈላለዩ መድረኻት ውረድ-ደይብ ሓሊፉ፡ ኣብ ግንቦት 1991 ብሓርነት መላእ ኤርትራ ተልእኾኡ ዛዘመ። ብሓይሊ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነቱ ዘረጋገጸ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኽልተ ዓመት ተጸብዩ፡ ኣብ ሚያዝያ 1993 እውን ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ዝበረኸ ድምጹ ንዓለም ኣስምዐ። ነቲ ኣብ ኣርባዓታትን መጀመርታ ሓምሳታትን ዝተነፍጎ ዕድል ረፈረንደም፡ ኣብ’ቲ ብቓልሱን መስዋእቱን ዝፈጠሮ መድረኽ፡ 99.8% “እወ! ንናጻን ለኣላዊትን ኤርትራ!” ብምባል ብዓውታ ኣድሚጹ። ኤርትራ ድማ ነጻን ለኣላዊትን ሃገር ኰይና ናብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተጸንቢራ።
ኵናት ኢትዮ-ኤርትራን ውዕል ኣልጀርስን
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ 1998 ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ናብ ኵናት ኣተዋ። እዚ ብስም ዶባዊ ግጭት፡ ካብ 1998 ክሳዕ 2000 ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተኻየደ ኣሰቃቒ ኲናት’ዩ። ብ12 ታሕሳስ 2000 ኣብ ኣልጀርስ ርእሰ-ከተማ ኣልጀርያ፡ መሪሕነት እዘን ሃገራት፡ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝነበረ ደማዊ ዅናትን ተጻብኦን መዕለቢ ኽግበረሉ ተፈራረሙ። ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብ18 ሰነ 2000 ዝተኸተመ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣራጒዱ፡ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዝወሃብ ፍርዳዊ ውሳነ፡ ናይ መወዳእታን ቀያድን ከም ዝኸውን’ዩ ኣቐሚጡ።
ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ድማ፡ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቈመ። ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ፡ ብውዕል 1900፡ 1902፡ 1908 ዝፍለጡ መግዛእታዊ ውዕላት ዶብን ኣህጉራዊ ሕግን ምርኩስ ጌሩ ኸኣ፡ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብደገፍ ኣሃዱ ካርቶግራፊ ሕቡራት ሃገራት ብ13 ሚያዝያ 2002 ኣብ ዘሄግ ሃገረ ነዘርላንድ፡ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነኡ ሃበ። በቲ ብይን መሰረት፡ እታ ኸም ጕልባብን ማእከል ስሕበት ናይቲ ግጭት ዝዀነትን ባድመ ንኤርትራ ተዋህበት። ብይን ኣብ ዝተዋህበሉ ዕለት ንምሸቱ፡ ኢትዮጵያ፡ “ዝሓተትክዎን ዘይሓተትክዎን ተዋሂቡኒ፡” ብምባል ነቲ ውሳነ ኸም እትቕበሎ መግለጺ ኣውጺኣን ደጊሳን ከተብቅዕ፡ ድሒራ በቲ ብይን ዕግብቲ ዘይምዃናን ክትዘራረብ ከም እትደልን ገለጸት። መዛተዪ ዝበለቶም ነጥብታት ብምቕራብ ድማ እቲ ውሳነ ግብራዊ ንኸይከውን ንነዊሕ እዋን ዓንቀጸቶ። ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ቀጥታዊ ኵናት ደው ከብል’ኳ እንተ ኸኣለ፡ ነባሪ ፍታሕ ኸየምጽአ ኣብ ከብሒ በለየ።
ስምምዕ ኣስመራ፡ ጅዳን ኣቡዳቢን 2018
ነዚ ስምምዓት’ዚ ኣብ ሓደ ማህደር ጠቕሊልካ ምርኣዩ ይከኣል። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂን፡ ኣብ ኣስመራ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላም ብምፍራም፡ ኣብ መንጎ ሃገራቶም ዝነበረ ኩነተ-ኲናት (ኣይሰላም ኣይኲናት) ከኽትም፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ክምለስን ዶባት ክኸፍቱን ተሰማምዑ። ነዚ ስምምዕ’ዚ ስዒቡ፡ ኣብ ኣቡዳቢን ጅዳን ተወሳኺ ስምምዕ ተኻየደ።
ብመገዲ’ዚ “ስምምዕ ሰላም፡ ምሕዝነትን ኩለመዳያዊ ምትሕግጋዝን” ዝተሰምየ ውዕል፡ ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት መኸተምታ ረኺቡ፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ዓውድታት ምሕዝነትን ኩለመዳያዊ ምትሕብባርን ንኽበጋገስ ተፈረመ። ክልቲአን ሃገራት ንውሳነ ኾምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትግባር፡ ግብረ-ሽበራን ስግረ-ዶባዊ ገበናት ብሓባር ንምምካትን ተሰማምዓ። ነዊሕ ከይጸንሐት ግን ኢትዮጵያ ናብ ኵናት ሓድሕድ ኣምርሐት።
ስምምዕ ፕሪቶርያ
ስምምዕ ፕሪቶርያ ንዅናት ሓድሕድ ኢትይጵያ ተኸቲሉ፡ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኸተማ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ’ዩ። ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኽልተ ዓመት ኣቝጺሩ ዝነበረ ዅናት መዕለቢ ኽረክብ፡ ኵሉ ዓይነት ተጻብኦ ኽቋረጽ ይጠልብ። ብመሰረት’ዚ ውዕል፡ ህወሓት ዕጥቂ ኸውርድ፡ ሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ናብ መቐለ ኽኣትዉ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዅናት ናብ ዝተሃስየ ከባቢታት ትግራይ ክባጻሕ፡ ህወሓት ንስልጣን ፈደራል ኣፍልጦ ኽህብን ይድንግግ። እዚ ስምምዕ’ዚ እውን ክሳዕ ሎሚ ተግባራዊ ኸይኰነ ኣብ ሰንፈላል ይርከብ።
መደምደምታ
ሓደ ኽፍለ-ዘመን ንድሕሪት ተመሊስና፡ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶም ውዕላትን ስምምዓትን ምስ እንርኢ፡ ንመሸመቲ ግዜ ወይ ትንፋስ ንምርካብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ከተኽብሮም ወይ ክትቅየደሎም ኣይንረኽቦምን። እዞም ከም ኣብነት ተጠቒሶም ዘለዉ ምስ እንርእዮም ጥራይ’ኳ እኹላት መርኣያ’ዮም። ብዘይካ’ቲ ከም ውሽጣዊ ስምምዓ ኽጥቀስ ዝኽእል ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ምስ ጕዳይ ኤርትራ ብምትሕሓዝ ስለ ዝተመርጹ’ምበር፡ ምስ ካልኦት ዝፈረመቶም ውዕላትን ስምምዓትን እውን ዕምሪ የብሎምን ክበሃል ይከኣል። ንስምምዓት ኣብ ምፍራስ ዝዓርባ ኻብ ኰነ ኸኣ ኻብ ምፍራስ ክንደየናይ ከይትድሕን።
Reader discussion

Join the conversation

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *