Skip to content

ጅግናና ነለልዮዶ ንኸውን፧

ናብ ውልቃዊ ሓርነትና ኣብ ዝወስድ መገዲ ኽንህሉ ተስፋ ኣለኒ። መሰረታዊ ባእታ ንዅሉ መዳያዊ ሓርነት ብምዃኑ፡ ግድን ክንከዶ ኸም ዘሎንና ኣየማትእን። ንወድቕን ንትስእን ምህላውና ርእሱ-ዝኸኣለ ትምህርቲ ምዃኑ’ዩ። ማዕረ እንወድቆን እንትስኦን እነዋህልሎ ዘሎና ተመኵሮ፡ መወዳእታ ዘለዎ ኣይኰነን። እነጥርዮ ንዘለና ተመኵሮ ነማሓድሮዶ ኣይነማሓድሮን’ዩ እቲ ሕቶ። ህይወት፡ እናወደቕካን እናተሳእካን ምዃና ባዕላ እያ እትዕልመና። መድረኽ ተማሂርካ ምፍታን ዘይኰነስ፡ ተፈቲንካ ምምሃር ብምዃና ድማ እትሕይለና እዋናት ኣይሰኣንን። ክትሕይል እንከላ ዝያዳ ኸም እንሕይል፡ እቲ ዘይነስተብህለሉ ገጽ ቃልሲ ህይወት ምዃኑ’ዩ። ጕዕዞ ውልቀ-ሓርነትና እውን ምስ ቃልሲ ህይወት ተመሳሳሊ ዀይኑ ኢና እንረኽቦ። ምውዳቕን ምትሳእን፡ ምስቓይን ምዝናይን ኣለዎ።
እንኸዶ ኣብ ዘለና ጕዕዞ ንሓርነት፡ ኣርኣያ ኽዀነና ዝኽእል ጅግና ነቋምት ምህላውና ተዓዚበ ኣለኹ። የማነ-ጸጋምና ብቐባሕባሕ ንጥምት ከም ዘሎና ተኸዊሉ ዝኽወል ኣይኰነን። ብርግጽ፡ ጥንቃቐ ኣብ ዝሓትት ምርጫ ንወላወል ክንህሉ ንኽእል ኢና። ጅግና ምርካብ ቀሊል ካብ ዘይኰነሉ ምኽንያት ሓደ፡ እቲ እንደልዮ ብግቡእ ዘይምፍላጥና ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። እንደለዮ ዘሎና ጅግና፡ ውሽጥና ዝፈልጠልና ወይ ዝርደኣልናዶ ይመስለና ይኸውን፧ ጅግናኸ ንዕግበትና ድዩ ንዕግበቱ’ዩ ዝቃለስ፧ ጅግና ኸመይ ዝበለ’ዩ፧ ጅግና ብኸመይን ብመንን ይስፈር፧ ጅግናና ሓባራዊ ድዩ ውልቃዊ፧ ብቑዕ ኰይኑ ንኽርከብ እንታይ ከማልእ ኣለዎ፧ ምስ ዝብልን ካልእን ወጣሪ ሕቶታት ክንፋጠጥ ግድን’ዩ።
እንስዕቦ፡ እንኽተሎ ኣርኣያ ዝጽላእ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ቅድሜና እተገተረ ዅሉ ጅግና ኸይመስለና ምስትውዓል የድሊ። ከምቲ ዅሉ ዘብለጭልጭ ወርቂ ዘይኰነ፡ ኵሉ ኣብ ፊትና ዝግተር እውን ጅግና ኣይኰነን። ሓሳዊ፡ ሰራቒ፡ ከታሪ፡ ዓማጺ ወይ መታለሊ ኽኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ንጅግና ኻብ ዘለና ኣመለኻኽታ፡ ንጅግና ኻብ ዘለና ሃንቀውታ፡ ንጅግና ኻብ ዘለና ባህጊ፡ ብእወታ ኽንርእዮ ምኽኣልና ጽቡቕ እኳ እንተዀነ፡ ብኻልእ ኵርናዕ ምርኣዩ እውን ዝጽላእ ኣይኰነን። ጅግና፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓውዲ ይሃሉ፡ መለለዪ ሕላገት ኣለዎ። ውሽጡ ዝረኸበ’ዩ ጅግና። ብመጠን ኣበርክቶኡ ሓባራዊ ወይ ውልቃዊ ኽኸውን ይኽእል። ንግብሪ እምበር ንዘረባ ዝኸውን ግዜ ዘለዎ ኣይኰነን። ቃንዛኡ ይኹን ደስታኡ ኣብ በይኑ’ዩ። ዘይተጸዓድነቱ ብቐዳምነት ንዕላማን መትከልን ገዛእ-ርእሱ ምዃኑ ኽከሓድ የብሉን። ንኸርኢ እንተ ዘይኰይኑ ንኽረአ ግዜ ኸም ዝሓጽሮ ኣይንስሓቶ። ውጽኢቱ’ዩ ዝምስክረሉ። ግብሩ ነንብብ፡ ኣሰሩ ንዳህስስ ጅግናን ጅግንነቱን ክንረክብ። ጅግና ቢልና እንሰምዮ ድማ ንሕና እምበር፡ ጅግና’የ ወይ ጅግናኹም’የ ኢሉ ዝኸትረና ባዕሉ ኣይኰነን። ብዓቢኡ፡ ‘ጅግናና ኢኻ’ ኢልናዮ ዘይክቕበለና ኸም ዝኽእል ዘይምስሓት።
ብዛዕባ እቲ ኣርኣያ ኽዀነና እነማዕድዎ ዘለና ጅግና ኽብሎ ዝኽእል ካብዚ ዝሓልፍ ኣይኰነን። ናብ ገዛእ-ርእስና ኽመጽእ። ጅግና ኣብ ምድላይስ ኣለና፡ ንገዛእ-ርእስናኸ ጅግና ንኽንገብራ ሓሲብና ዶኾን ንፈልጥ፧ ምናልባት፡ ከም ጅግናኦም ዝርእዩና እውን ኣይሰኣኑን ይዀኑ። ኣብ ግዳም ንዘሎ ጅግና ኽንደሊ፡ ነንዝገዓረ ኸነጣቕዕ፡ ነንዝመደረ ኽንሰምዕ፡ ጅግናኹም እየ ንዘዝበለ ጃዕባብ ክንዕጅብ፡ ንእልፊ በሽቃጥ ኽንሕብሕብ፡ በብዝለፍለፈ ኽንጭወ፡ ኣብ ውሽጥና እተረሰዐ ጅግና ወይ ሕጹይ ጅግና ኸይህሉ ኽንፍትሽ ዛጊት እተበገስና ኣይመስለንን። ጅግናኻ’የ ብዝብሉና ተዓብሊሉ፡ ድምጹ ዘይተሰምዐ፡ ዛንታኡ ዘይተነበበ፡ ኣሰሩ ዘይተረኽበ ጅግና ዄንና ንተርፍ ከይንህሉ ኸዘኻኽር ምደለኹ። ጅግና ኸነማዕዱ፡ ጅግና ቐቲልና መቓብር ጅግና ዄንና ኸይንህሉ፡ ልዕሊ ዝዀነ እዋን የተሓሳስበኒ ምህላዉ ኽሓብኦ ኣይደልን።
ጕዕዞ ውልቀ-ሓርነትና ኸይኵለፍ ሓለዋ ኸም ዘድልዮ ኽንስሕቶ እንኽእል ኣይመስለንን። ንሓርነትና ዅሉ ኸም ዝጻብኦ ኸስምረሉ ምደለኹ። ካልእስ ይትረፍ፡ “ጅግና ኣይትኹን ሓው ጅግና ኹን፡” ዝብል ብሂል ንቕድሚት ንኸይንምርሽ ሓሊኹ ኽሕዘና ኸም ዝኽእል ኣየማትእን። ጅግና ዕምሪ የብሉን ዘስምዕ ይመስል። ብሓውኻ እናተነየትካ፡ ተበላጺ ዄንካ ንበር ዘስምዕ እውን ይኸውን። “ካብ ሃገራ ዝነውሐት መሸላ፡ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ፡” ዝብል’ውን ክድህለና ይኽእል። ብሓርነት ንገዛእ-ርእስና ኸይንኹስኩስ ብዙሓት’ዮም ዝዓግቱ። ዓብለልቲ ወይ ገበትቲ ዀይኖም ክነብሩ ዝደልዩ ማእለያ የብሎምን። ግዜና ሰሪቖም፡ ኣእምሮና ተቘጻጺሮም፡ መሓውርና ቐፊዶም፡ ኣንፈትና ኸይነለሊ የልምሱና ኸይህልዉ ስግኣት ኣለኒ።
ሓደ ኸነስተውዕለሉ ዘለና መሰረታዊ ኣማራጺ ምህላዉ ብዓቢኡ ዘይምዝንጋዕ። ልዕሊ እቲ እነማዕድዎ፡ እንስእሎ፡ እንጥምቶ ዘሎና ግዳማዊ ጅግና፡ ብቑዕ ጅግና ዄንና ኽንርከብ ከም እንኽእልከ ሓሲብናዶ ንፈልጥ፧ ንምንታይ ንኻልእ ጅግና ነንባሁቝ ምህላውና የሻቕለኒ ኣሎ። ኣብ ውሕጅ ግዜ ኽሳዕ ዝሃለና፡ ግዜ ኸይሃደመ ኽንቀዳደም ምደለኹ። እቲ እንብህጎ ጅግና ዘይንዀነሉ ምኽንያት የልቦን። ንሽገር፡ ዓቕሊ ነጽብብ ምስ እንህሉ፡ ልዕሊ ሽግርና መብረድ ከም ዘይብልና ኽምስክር ምደለኹ። ጠሚትናዮ ዘይንፈልጥ፡ ኣብ ውሽጥና ሓደ ጅግና ኣሎ። ተቐላጢፍና ‘ጅግናይ ኢኻ’ ንበሎን ንሕቆፎን። ነዚ ጅግና እዚ ኸየለለናዮን ከይተላለናዮን፡ ንኻልእ ጅግና ኸነለሊ ወይ ምስ ካልእ ጅግና ኽንላለ ኸም ዘይንኽእል ብዘይ ቃልዓለም ክድርጕሖ ምደለኹ።
ንነፍሲ-ወከፍ ዝጸደቐ፡ ዝወደቐ ወይ ዝደረቐ ኸነልዕል ካብ እንመጣጠር፡ ‘ጀጋኑኹም ኢና’ ንዝበሉና ኽንቈጽር ካብ እንርብርብ፡ ከይወደቐ ኽንድግፎ ወዲቑ ድማ ኽንስፍስፎ ዘለና ሓደ ፍጡር ኣብ ቀረባና ኣሎ። ገዛእ-ርእስና ምዃኑ’ዩ። ብዘይ ቃንዛ ጅግና ምዃን ስለ ዘይከኣል፡ ብመከራ ተኸቢብና፡ ብቓንዛ ተሰኒፍና፡ ነዚ ጅግና’ዚ ኽብሪ ኽንከልኦ ወይ ክንከድዖ ዘምሕረልና ኣይኰነን። መንፈሳዊ ወይ ስጋዊ ቓንዛ ኽኸውን ይኽእል። ልዕሊ እዛ እትወድቕን እትትስእን ዘላ ገዛእ-ርእስና፡ ብቐዳምነት እንሰርዖ ምስ ዝህሉ ግን ህላወና ትርጕም ዘለዎ ኣይመስለንን። መቛጽርቲ ጥራይ ኢና እንኸውን። ንገዛእ-ርእስና ኣህሲስና እነድምቖ `ጅግና `ምስ ዝህሉ ድማ፡ ‘ጅግና’ ንዝብል መግለጺ ኽንደየናይ ከይበቕዖ።
ንጅግና ኽንፈልጥ እውን ጅግና ምዃን ከም ዘድሊ’ዩ ዘይምዝንጋዕ። ቃንዛና ኽንውሕጥ፡ ጸበባና ክንምክት ንገዛእ-ርእስና ኸም ጅግና ኽንርእያን ክንሓርያን ክንጥቀመሉ ዘሎንና ቀዳማይ ሕርያ’ዩ። ብመስፈሪ ገዛእ-ራስና እተሃንጸ ጅግና ገዛእ-ርእስና ንምህናጽ፡ እኽሎ’የ፡ እበቕዖ’የ ምባል ንልመድ። ወዲቕና እንወድቀሉ ምኽንያት ድማ ኣይህሉን። ኣቐዲምና ብስነ-ልቦና ዘይተዳለናሉ ጕዳይ፡ ንዝነበረናን ዘይነበረናን ለኻኺሙ’ዩ ዝኸይድ። ንርሑቕ ጠሚትና ምስ ዘይንብገስ፡ ኣብ እንበጽሖ የልቦን። ኣብ ዘለናዮ ዕግሽግሽን ለውጢ ዘይብሉን ኰይኑ’ዩ ዝተርፍ። መፍቶ ኸታሮ ምዃን’ዩ። ጅግናኺ’የ ንዘይበልናያ ገዛእ-ርእስና፡ ጀጋኑኺ ኢና ዝብሉ ይበዝሕዋ። ትአበለጽቲ ሕማማት ኣብ ቀረባና ኸም ዘለዉ ኣይንስሓት። ንገዛእ-ርእስና ኸም ጅግና ምልላያ ዝህልዎ ግደ ውጽኢታዊ ምዃኑ እምበኣር፡ ርሑቕ ኣብ ዘይኰነ ኽንምስክር ከም እንኽእል እምነት ኣለኒ። ውልቀ-ሓርነት፡ ንገዛእ-ርእስና ኸም ጅግና ገዛእ-ርእስና ጥራይ ብምቕባል’ዩ ዝፍልም።
ሕጂ እውን አዘኻኽር’የ ዘለኹ። ንኽምዕድ ኣይተበገስኩን። ካብቶም ብማዕዳ ዘደንዝዙና፡ ንገዛእ-ርእስና ንኸይንርኢ ዘጸልምቱልና ዀይነ እንተ ተረኺበ ግን፡ ኵሉ ረጊጹኒ ኽሓልፍ እምሕጸን። ወደሓንና።
Reader discussion

Join the conversation

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *