Skip to content

ትርጕም ንዘይብሉ ኵናት ትርጕም ክትህቦ ምቅላስ

ትርጕም ንዘይብሉ ኵናት ትርጕም ክትህቦ ምቅላስ
ንምታይ ዕላማ እቲ ኵናት ተጀሚሩ ርዱእ ኣይኰነን፡፡ ብዘይካ ጀመርቱን ዋናታቱን፡ ምኽኑይ ክገብሮ ዝኽእል ርትዒ ኣብ ቀረባ ምርካብ ኣይተኻእለን። ገለ ገለ ለባማት ክገልጹዎ ከም ዝፍትኑ፡ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ዘእንፍት ምልክታት የለን። ‘ምጽናት ዘርኢ’ ኣይኰነን። ከጽንት ኢሉ ኵናት ዝጀመረ ግን ኣይሰኣንን። ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ እዚ ብስም ህዝቢ ትግራይ ዝነግድ ጉጅለ፡ ንህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ዋጋ ከየኽፍሎ ስግኣተይ ገሊጸ ነይረ፡፡ ብኸምዚ ዝበለ ሓሸውየ ክኸውን ግን ኣይተጸበኹዎን፡፡ ንምንታይ ክሳዕ ክንድዚ ተደልዩ? ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረ ዲዩ?
ገለ ገለ ከም ዝብሉዎ፡ ‘ሃገረ ትግራይ’ ንምምስራትዶ ተሓሲቡ ይኸውን? ‘ቀደም ተሪፉካ ሃዳናይ’ ዝብል ብሂልዶ ኣየዘኻኽርን? ህወሓት ዕዮ ገዛኡ ከይወደአ ዝጸነሐን ዕዮ ገዛኡ ከይዛዘመ ዝተፋነወን ውድብ ይመስል። ዕዮ ገዛኡ ንምስራሕ ካብ ንእስነቱ ክሳዕ እርጋኑ ተጋዲሉ፡፡ ነቲ ግድል ግን ኣይከኣሎን፡፡ ኣብ ካልእ ዕዮ ተጸሚዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝጠቀረን ዝበስበሰን ማኒፈስቶኡ ክሕዞ ብዝኽእል ጠፊኡዎስ ንህዝቢ ትግራይ ሓደጋ ወዲቑዎን ንሓደጋ ኣቃሊዑዎን፡፡ ነጻ ሃገረ ትግራይ እንተ ደልዩ፡ ካብ ብዅናት ብህዝበ ውሳነዶ ኣይምቐለለን? ንበይኑ ጐይዩ፡ ንበይኑ ዝዕወተሉ ስማዊ ተዋስኦ ምርጫ ካብ ምድላው፡ ነቲ ንሕማቕ እዋን ብምባል ኣብቲ ተኺለዮ ዝብሎ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓንቀጽ ፍትሕ 39 ተጠቒሙ፡ ህዝቢ ትግራይ ድልየቱ ንኽገልጽ ንምንታይ ባይታ ዘይፈጠረ? ህዝቢ ትግራይከ ካብ ኢትዮጵያ ተነጺሉ ክነብር ድልየት ይህልዎ ዶ ይኸውን? መኣስን ብመንን ተሓቲቱ? ካብ ኵናት ወጻኢ፡ ብኻልእ መልክዕ ክፍተን ዘይተሓሰበሉ ምኽንያት እንታይ ይኸውን? ስለምንታይ ብዅናት ተደልዩ? ብዛዕባ ዝሞተ ዓሳ ምዝራብ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንዘይምኽኑይ ኵናት ምኽኑይ ንምግባር ዝካየድ ሕግብግብ ይዅን ስንእንእ ትርጕም የብሉን።
ታሪኽ ተቐያሚ እዩ፡፡ “እቲ ንሕሉፍ ከይርእይ ዓይኑ ዝዕምት፡ ንሎሚ ክርእይ እውን ብቕዓት የብሉን፡፡” ዝብል መምርሒ ኣለዎ። ንዅሉ ይጽብጽብን ይጸባጸብን። ምስክር ገፊዕካ እትርከብ ሓቂ የላን እዩ ዝብል፡፡ ስለ ዝዀነ፡ ብዝዀነ ይዅን መለክዒ፡ እቲ ኵናት ትርጕም ኣይነበሮን፡ የብሉን እውን፡፡
ህዝቢ ትግራይ ደቁ ኣብ ጽላል እናተማህሩ፡ 300 ኪሎ ሜተር ዝውንጨፍ ሮኬት ክገዝእ የምሕረሉዶ ነይሩ? ብስነ-ልቦናኡ የምሕረሉ ይኸውን። ብኽውንነት ግን ካብ ኣብ ርሳስ ኣብ ተተኰስቲ ዝያዳ ወፍሪ ከም ዝገበረ የነጽር፡፡ ካብ ኣብ ምርድዳእ ኣብ ምጕብዕባዕ ዝሓለፈ ግዜ ይበዝሕ፡፡ ንህዝቢ ትግራይስ ኵናት ኣንጻር ድኽነት ምኣኸሎ። ቀለም ቀመሳት ትግራይ ግን ክሕግዙዎ ኣይተራእዩን፡፡ ሊቃውንቲ ፖለቲካ ትግራይ ድማ ድፋዕን መንጸፍን ክገብሩዎ ተራእዮም፡፡
ብናይ ኵናት ስነ ልቦና ክሃንጹዎ ፈቲኖም፡፡ ንነብሱ ንኽገግን ንኽሰክርን ደሪኾሞ፡፡ ምስ ካልኦት ሕብረተ ሰባት ኢትዮጵያ ተወሃሂዱ ንዝነብረላ ኢትዮጵያ፡ ግዳይ ወይ ተረካቢ ይዓድዮ ንኽኸውን ተቓሊሶም። ከተፋንኑዎን ተጸላኢ ንኽኸውንን ሰሪሖም፡፡ ካብ ኣፍንጫኦም ኣርሒቖም ናይ ምሕሳብ ጸገም ጥራይ ዘይኰነ፡ ዑረት ስትራተጂ እውን ተቘጻጺሩዎም፡፡
ንኤርትራ ከም መባድልቲ ናብ ኢትዮጵያ ከልሕቑዋ፡ እቲ ኣብ 1991 ዘምለጠ ዕድል ንኽመልሱ፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ብግብርን ሓሳብን ብዅሉ ፈቲኖም፡፡ ሕሉፍ ሓሊፉዎም፡ እቲ ሕቶ ኤርትራ ሕቶ መግዛእቲ እዩ ኢሎም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ተቐቢሎሞ ዝነበሩ፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ እቲ ኣብቲ እዋን ዝወሰዱዎ መርገጺ ጌጋ ከም ዝነበረን ዳግመ ግምት ከም ዝገብሩሉን ከይሓፈሩ ተዛሪቦም። ብምሉእ ሓይሎም ንምፍሓቑ እውን ተጓይዮም። ስርዓት ኤርትራ ብውሽጢ ቈንቊኑ ንኽፈርስ፡ ደምበ ተቓውሞ ድማ ነንሓድሕዱ እናተናኸሰ፡ ንሳቶም ብዝቐየሱዎን ዝእዝዙዎን፡ ብብሄርን ኣውራጃን ከም ዝቐውም ብምግባር ዕንክሊል ኣቢሎሞ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሃንደሱዎ ብሄራዊ ምትፍናን ንምስፋን ዘጻወዱዎ ናይ ግዜ ቦምብ ብኻልእ ጸረ ቦምብ ተቐቲሉ ግን ንውድቀቶም ኣቀላጢፉ፡፡
ኣብዚ ሰዓት ገለ ምስጢር ታሪኽ ዝተኸወሎም፡ ወይ መግለጺ ጃምላዊ ህልቂት ዲዩ ዓሌታዊ ግርጭት ዘይነጸረሎም፡ ህወሓት ብዝሃቦም ዝንቀሳቐሱ፡ መጥቃዕቲ ኣብ መንነትዶ ህልቂትዶ ክብሉ እንከለዉ ዘየስሕቕ ኣይኰነን። ፍርሒ እምበር ከምዚ ዝበለ ጃምላዊ ህልቂት ወይ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣሎ ዝብል እንተሎ ግን ከም ዝመሰሎ ክኸይድን ግዜ ከብርሃሉ ምግዳፉን ዝመስሉዎ የሎን።
ህወሓት ክሳብዚ ሰዓት እዚ እናተኸፋፈለን እናተሸራረፈን መጺኡ ኣሎ፡፡ እቶም ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሓድነት ኢትዮጵያን ማዕርነት ኢትዮጵያውያን ዝሰርሑ ዘለዉ ወተሃደራውያን መኰነናትን ፖለቲከኛታትን ተጋሩኸ፡ ብኸመይ ይጥመቱ ኣለዉ ማለት እዩ? ልዕሊ ዋና ዋና ክትከውን ምፍታን ዘየኽዕብ ኣይኰነን። ብዝዀነ፡ ሕግን ገበነኛን መተሃላልኽቲ እዮም። ሓደ ክሃድን እቲ ካልእ ድማ ክሃድም ኣዕሪቦም የውግሑዎ። ከምኡ ኢና ድማ እንዕዘብ ዘለና፡፡
እዚ ርእይቶ እዚ ምስ ርእይቶ ዘይትቕበሉዎም ሰባት እንተ ተመሳሲሉኩም ኣይትሕረቑ፡፡ ርእይቶኹም ክትህቡ ግን ዝኽልክል ኣካል የልቦን። ከም ዝፈዀስኩኹም እትዛረቡ፡ ክሳዕ ሎሚ ከቢደኩም ብምጽንሐይ ይቕረታ እብለኩም፡፡ ልዕሊ እዚ እንታይ ትደልዩ? ሓሳበይ ካብ ምግላጽን ርእይቶይ ካብ ምቕማጥን ዝሓልፍ ገበን ዝፈጸምኩ ኣይመስለንን።

Reader discussion

Join the conversation

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *