Skip to content

ጸላም ዕንባባይ

ጸላም ዑንቍ፡ ኣብ ጸልማት እትደምቕ
ሕቖይ ዝሃብኩኺ፡ ካብ ጸልማት ክርሕቕ
ወርትግ ተዓኒደ፡ ንኣኺ ዝናፍቕ
ኣብ ብርሃን ዝደልየክስ፡ ክንደይ ኮን እሓምቕ!
ዘይቃዶ ግብሪ፡ ዘይገሃድ ሕልሚ
ንዘይረዊ ጽምኢ እነኹ እጸምኣኪ፡
ጸልማት ብዘርዓዶ፡ መቕባሕብሒ መንፈስ
ኣብ ዘይትርከብሉ ንምርካብኪ እቃለስ።
ጸላም ዕንባባይ፡ ቡቝሊ ጸሊም ሓመድ
ብርሃን ዘይጣኦታ፡ ምስ ጸልማት እትዛመድ
ከም ነብስኻ ምዃን፡ ንነብስኻ ምምሳል
ተወሃሂድክዮ ኣብ ዓለምካ ምንባር!
ግርማ ኣለዎ ጸልማት፡ እቲ መጃጀዊ
ምስ ሓቘፈኪ’ውን፡ ዝያዳ ግርማዊ።
ጸላም ዕንባባይ፡ ኣንቲ ጸላም መርዓት
ክሳዕ መኣስ’የ ግን ክሕጸብ ብንብዓት
ንጸልማት ክደፍሮስ ምቐልኒ ትብዓት፡፡
Reader discussion

Join the conversation

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *