Skip to content

ካብ ሕቝፎ ዝቕጽል መጽሓፍ

ቀለተ፡ ንመስፍን ተሰናቢቱ ንጽባሒቱ ኸም ቈጸራኡ ምስ ወዲ-ሳግም ተራኸበ። ኣቐዲሞም ተራኺቦም ነይሮም እዮም። ስፍሕ ንዝበለ ዕላል ድማ ብቘጸራ ተፈላልዮም ነበሩ። ግዜ ቘጸራኦም ኣኽቢሮም፡ ዘረባ ጀመሩ።
ወዲ-ሳግም ብህንጡይነት ክጽበዮ ግዲ ጸኒሑ፡ “እንታይ ደኣ ኢሉካ፧” ብምባል፡ ቅድሚ ዝዀነ ዕላል ሓተተ። ታህዋኹ፡ ኣብቲ ጕዳይ ንዝነበሮ ተገዳስነት ኣነጸረ።
“ሓግዘና ኽንሕግዘካ፡ ሓገዝ ድማ ብኣኻ እያ እትጅምር ኢሉኒ፡” ቀለተ፡ ከይወሰኸን ከየጕደለን ከም ዘላታ ደገመሉ።
“እወ፡ ነጻ ምሳሕ ዝበሃል የልቦን፡” ወዲ-ሳግም ብደረቓ ኣቐመጠሉ። ኣመላልሳኡ፡ ክጽበዮ ኸም ዝጸንሐ ዝምስክር ነበረ። ካብ መስፍን ረኺብዎ ኽኸውን እውን ይኽእል።
ቀለተ ሰንበደ። ካብ ወዲ-ሳግም እተጸበዮ ኣይነበረን። ምስ ግርህነቱ ገጽ ንገጽ ተፋጠጠ። ምስ ኣማኒ ባህርያቱ ንነዊሕ ተፈልይዎ ኸም ዝጸነሐ ቤተ-ሰብ ተሰዓዓመ። ብድሕሪ መጋረጃ ዘይበጽሖ ጸወታ ኸም ዘሎ ተገንዘበ። ኵሉ ደሓን መሲሉ ዝቐርብ ደሓን ከም ዘይብሉ ነጸረሉ። መስፍንን ወዲ-ሳግምን ርክብ ክህልዎም ከም ዝኽእል ጥርጣረ ኣይጸንሖን። ብደንጐላ እምነት ተጸቒጡ፡ ክጥርጥር ወይ ክጠራጠር ኣይደፈረን። ነዛ ቓል ካብ ኣፉ ምስ ረኸባ ግን ዝእመን ከም ዘየልቦ ደምደመ። ሓድሽ መንፈስ ቋንቋ ጥርጣረ ኣብ ውሽጡ ፈሊሱ፡ ስጋ ለቢሱ ህይወት ዘርአ። ብዕሽሽ ዝሓለፎ ጽዋ ተመሊሱ ዀለሎ። ወዲ-ሳግም ገባርን ሓዳግን ምዃኑ ረኺብዎ ዝነበረ ሓበሬታ ሓንኰሎ። ምስቲ ዝደርጐሓሉ ረጐደሉ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ መደምደምታ ኽበጽሕ ኣኽኣሎ። ወናኒ ተመኵሮ ተባሂሉ ኸም ዝእመነሉን የማናይ ኢድ ውዳበታት ይኹን ኣኼባ ኸም ዝዀነን ከም ዘረባ ኣቐዲሙ በጺሕዎ ነይሩ’ዩ። ቀለተ፡ ኣቐዲሞም ንዝተናኸፍዎ ዕላላት ተመሊሱ ኸለሶ። ነቲ ቕንጥብጣብ ኣለጋጊቡ ቕርጺ ኣትሓዞ። ዛንታ ኣቚሙ ደሚቑ ተነበበሉ። ካብ ዘይተጸበዮ ሰብ ተወሳኺ ትምህርቲ ቐሰመ። ብዝኣምኖ ኸም ዝቕተል ደምደመ። ክብሪ ነፈገሉ።
ቀለተ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ጕዕዞ ህይወቱ ፈተሸ። ዘጋጠምዎ ፈተነታት ህይወት፡ ዳርጋ ዅሎም ካብ ቀረብቱን ብሰንኪ ኣማኒ ባህርያቱን ምንባሮም ዘከረ። ኣሕዘኖ። ክጥንቀቕ ከም ዘለዎ ተማህረ። ክሳዕ መኣስ ግን ክፈልጥ ኣይከኣለን። ምሒር ጥንቃቐ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኽጐስዮ ኣይደለየን። ከይረሓቕካን ከይቀረብካን ዝብል ቅዲ ኸተኣታቱ ሓለነ። ቅንዕናኡ ኽዓኑ፡ ሕላገቱ ኽበርስ ተራእዮ። ክብሩ ዓቂቡ ኽቕጽል፡ ብምስሉይነት ንኸይልለ ተጋደለ። ኣብ መንጎ እተራእዮ ምዝራብን ካብ ዘረባ ምእርናብን ተሓየረ። ኣብ መንጎ ክልተ ዘይራኸብ ዓለም ተቐርቀረ። መልክዓት ማእሰርቲ ተጋህደሉ። ብዘይ ተጸበዮ መገዲ ንህይወቱ ኣብ ማሕቡስ ረኸባ። ብኸመይ ከምልጥ ከም ዝኽእል ኣሰላሰለ።
“ምስ ጠረጥካ እግሪ ይእከብ፡ ምስ ሰሓትካ ምኽሪ ይርከብ” ኰይንዎ እምበር ኣይሰነፈን። ምስ ወዲ-ሳግም ብድሎ ዘረባ ገጠመ።
ወዲ-ሳግም፡ “ክልተ ኣሕዋት፡ ሓደ ብወገን ኤርትራ፡ እቲ ኻልእ ድማ ብወገን ኢትዮጵያ ዀይኖም ተዋጊኦም። ብወገን ኤርትራ ዝነበረ ኣብቲ ዅናት ክመውት እንከሎ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ዝነበረ ድማ ሰንኪሉ ኣብ መቐለ ኣሎ፡” ከም ጽማቝ ትሕዝቶ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መጽሓፍ ምስ ጠቐሰሉ፡ ቀለተ፡ ዕድል ከይሃበ፡ “ታሪኽ ከም ጸሓፊኡ እዩ። ኣይኣምኖ ኣይክሕዶ፡” ዝብል መልሲ ብቕጽበት ደርበየሉ።
ከም ሰባት ተራኺቦም፡ ነዊሕ ከይሰጐሙ፡ ኣብ መንጎ ዕላል ዘየረዳድኦም ተፈጥረ። ኣብ ኣናብባ ጕዳያት ተረሓሓቑ። ዓቐን መነጸሮም ስለ ዘይተቐራረበ ኣይተቐራረቡን። ክልቲኦም ኣብ ሓንቲ ሃገር ተወሊዶም ዝዓበዩ፡ እተሰደዱን ኣብ ሓንቲ ሃገር ድማ ብስደት ዝነብሩን ይኹኑ እምበር፡ ከም ገዲምን ሓድሽን ኣብ ክልተ ጫፋት ተዀየጡ። ወዲ-ሳግም ንኢትዮጵያ ማዕረ እተቐመጠላ፡ ቀለተ ድማ ንኤርትራ ማዕረ ዝገደፋ ኸም ዝፈልጥወን በብወገኖም ደምደሙ። ጋግ ወለዶ ተወሲኽዎ፡ ክልቲኦም ዝርእዩሉ መነጸር ይኹን ዝህውስሉ ህዋስ ተረሓሒቑ፡ ወጋሕታን ዕራርቦን ኰነ።
“ቍርብ ከማን ኣይትጥርጥርን፧” ብመልሱ ዘይዓገበ ወዲ-ሳግም ተዅቶኾ። ደገፍ ጥራይ ክጽበ ዝጸንሐ ይመስል ነበረ።
“ከእምነኒ ብዝጋደል’የ ዝያዳ ዝጠራጠር፡” ቀለተ ኣመተሉ።
ኣዘራርባኡ፡ ኣይትድከም ዘስምዕ ቃና ነበሮ።
“ማለትካ፧” ወዲ-ሳግም ንኸነጽረሉ ተወከሰ።
“መብርሂ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ክኣኽለና ምመረጽኩ። ንስምዒተይ ካብ ዘየንበብካዮ ግን ሸንኰለል ዘድሊ ኣይመስለንን። ቃል ብቓሉ፡ ንምንታይ ከተእምነኒ ትቃለስ ምህላውካ የጠራጥረኒ ኣሎ እብለካ ኣሎኹ። ንምንታይ ትሃልኽ ኣለኻ፧ ሰብ፡ ረብሓ ኣብ ዘይረኽበሉ ኸም ዘይሃልኽ’የ ዝፈልጥ። ኣንጻር ረብሓኻ እዛረብ ምስ ዝህሉ ግን ይቕረታ፡” ደርጐሓሉ።
“ከእምነካ ኣይተቓለስኩን። ተመኵሮይን ትዕዝብተይን’የ ዘካፍለካ ዘለኹ። ነዚ ዓዲ ጋሻ ኢኻ። ዝያዳኻ ተመኵሮ ኣሎኒ። ክትሰምዓኒ ምስ እትኽእል፡ ዘካፍለካ ሓበሬታ ኽጠቕመካ ይኽእል’ዩ ዝብል ገምጋም ኣለኒ፡” ወዲ-ሳግም ክተዓጻጸፍ ፈተነ።
“ትኽ ብትኽ ንዛረብ ወዲ-ሳግም። ጋሻን ወዲ-ዓድን ይቀመጠልና። ነዚ ዓዲ ጋሻ ምዃን ማለት ንግጭት ኢትዮ-ኤርትራ ባዕዲ ምዃን ከየስምዕ ስክፍታ ኣሎኒ። ብዓይኒ መጐት ንርኣዮ። ኣልዒልናዮ ዘሎና ኣርእስቲ ሓድሽ ኣይኰነን። ዝበለየን ዘብለየን’ዩ። ክንደይ ዋጋ ኣኽፊሉን የኽፍል ኣሎን። ባእሲ መልክዕ የብሉን። ካብ ሰበብ ዝሓልፍ ጥበብ ድማ ዘድልዮ ኣይኰነን። ሓዊ፡ ሓውን ሓውትን ዘማርጽ ኣይመስለንን። ኣይኰነን ኣብ ክልተ ሃገራት ዘሎዉ ብዘይራኸብ ስነ-ልቦና እተሃነጹ ኣሕዋት፡ ካብ ሓደ ማህጸን ወጺኦም ብሓደ ጡብ ተዓንጊሎም፡ ኣብ ሓደ ሕቝፎ ማሚቖም፡ ኣብ ሓደ ምድሪ-ቤት ብሓደ መኣዲ ዝዓበዩ ኸይተረፈ ዘይበኣሱሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ፧ ብወገነይ ዘሎ ዀይኑ ኣይስምዓንን። መትከል ሓያል’ዩ። ከም ሕብረተ-ሰብ ብእተመኰርናዮን ዝጸለወናን እስከ ንዛረብ። ርሑቕ ከይከድካ፡ ባእሲ ጀብሃን ሻዕብያን ባእሲ ኽልተ ኣሕዋት ወይ ወላድን ውሉድን ምንባሩ ዘይምርሳዕ። ነዚ ኽሒድና ኣበይ ክንሰማማዕ ንኽእል፧ ብዝሃደምናሉ መጠን’ዩ ጋግ ዘይምስምማዕና ዝገፍሕ። በዚ ወፊርና በቲ ንእቶ፡ በዚ ንኺድ በቲ ንምጻእዶ ኣይፈላለዮምን፧ መስፍናዊ ኣካይዳዶ ኣብ ክልተ ኣይገምምዖምን፧ ክልተ ኣሕዋት ንወለዶም ኣየጕሃዩን ድዮም፧ እኹልን ንጹርን ኣብነት ኣብ ቀረባ እንከሎ፡ ናብ ርሑቕን ናብ ዘይርኣኽዎን ዘኽይድከ እንታይ ኣሎኒ፧ ንባእሲ ኽልተ ኣሕዋት ድማ ኸም ተበላጺ ሕማም ጓና ተበሊጹሉን ይብለጸሉ ኣሎን። ኪኖ’ዚ ዝኸይድ ሓቂ ኣሎ ድዩ፧ ተረፍ መኣድኹም ትቕርቡልና፡ ብጽሬት ኣጽፋርኩም ይኹን ብጥዕና ምራቕኩም ብኸመይ ክንተኣማመን ንኽእል፧” ቀለተ ዕቱብ መልሲ ብሓታቲ መገዲ ሃበ።
ወዲ-ሳግም ኣዕለበጠ። ጐረሮኡ ድሕሪ ምጽራግ፣
“ፍርሒ ዲኹም ቀሚስኩም ወይስ ተገዚምኩም። ብኸመይ ግን ክሳዕ ክንዳኡ ተሰሊብኩም፧ ናብ ውነኹም ብኸመይ ከም እትምለሱ ኣይፈልጥን፡” ዝሓርበቶ ይመስል። ዝሓሊ መሲሉ ተጨነቐ። ሓደ ናብ ኮረሻ ስልጣን ዘማዕዱ ሰብ፡ ብኸመይ ርኻብ ዝዀንዎ ይረክብ እምበር መራግእቲ ሓልዮት ከም ዘይብሉ ቀለተ ይፈልጥ’ዩ። ‘ፍርሒ ቐሚስኩም፡ ተሰሊብኩም’ ምባሉ፡ ‘ዓሻ ኸዕሽወኒ ጣፍ ነቒጹ ይብለኒ’ ኰይኑ ተሰምዖ።
ተገሪሙ እናጠመቶ ድማ፡ ብቕኒት ሕቶ፡ “ናብ ውነኹም ብኸመይ ከም እትምለሱ ኣይፈልጥን፧” ካብ ዘረባኡ ቘንጪሉ መጢጡ ደገመሉ። “መን ድዩ ናብ ውነኡ ኽምለስ ወይ ንውነኡ ኽሓትት ዘሎዎ፧ መን ይኸውን ኣብ ሓሸውየ ዘንብረና ዘሎ፧ ካብ ሓቂ ኣይትህደም ወዲ-ሳግም። ንምንታይ ጎቦ-ጎቦ ትኸይድ፧ ኣብ ሸንኰለል ተንብሩና ምህላውኩም ይርደኣካ ኣሎ ድዩ፧ እንደልዮን ዘይንደልዮን ዘይንፈልጥ በሃማት ድዩ ዝመስለኩም፧ ንባህግኹም ስለ ዘየማላእናስ ስሉባት፧” ብደብዳብ ሕቶ ተወከሶ።
“ህድእ በል ቀለተ። ከምኡ ማለተይ ኣይኰነን፡” ወዲ-ሳግም ከዘሓሕሎ ሃቀነ። ክንድኡ ኽንድር ኣይተጸበዮን።
“ኣይወዳእኩን ወዲ-ሳግም። ወዲአ ጥራይ’የ ኽሃድእ ዝኽእል፡” ቀለተ ተገርጩ መለሰ። ምስ ቍጠዐኡ እናተቓለሰ፡ “ፍርሒ ቐሚስናዮ ወይ ተገዚምናዮ እንተ ዄንና፡ ካባኻትኩም’ዩ። ዝሃብኩምና ተቐቢልናኩም ንኸውን። እንታይ ትህቡ ግን እተስተውዕሉ ኣይኰንኩምን። ኣብ ጽልኢ ለጋሳት ኣብ ፍቕሪ ግን በቃቓት ምዃንኩም ትፈልጡዶ፧ ዘየስተውዓልኩምሉ ኸይትዀኑ’የ ዝሓትተካ ዘሎኹ። ዘይጠቕመኩም እናሃብኩም ዝለገስኩም መሲሉኩም ንገዛእ-ርእስኹም ተተዓሻሽዉ ኸይትህልዉ፡ ነብስኹም ክትፍትሹ ምሓሸ። መልሲ ቕድሚ ምሃብካ ኽብለካ ዝደሊ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ምሃብ ኣቋርጽዎ እሞ ምቕባል ድማ ኽንገድፎ። ኣሐፊሽካ ስለ እተዛረብካ እየ ኣሕፊሸ ዝዛረብ ዘሎኹ። ርእስኹም ይኣኽለኩም ርእስና ኣይትመንጡሉና። ይኣኽለኩም፡ ብርሃን ልብና ኣይተጸልምቱ፡ ብመጻኢና ኣይትጻወቱ፡። ዝሓተትናዮ ኽትህቡ ድሉዋት ምስ እትዀኑ፡ ህያብኩም ኣይንጽየኖን። ብምርጫና ምስ ዘይከውን ግን ይትረፈና፡” ቍጠዐ ሓወሰ።
ወዲ-ሳግም ከም ዝሓረቐ ተረዲእዎ ቓል ኣየውጽአን። ንሕርቃን ብሕርቃን ንዘይምምላስ መዓልቲ ንምቕያር ዝመረጸ ይመስል ነበረ። ከዊሉ ግን ኣይከወሎን። ብዘይ ምዝራቡ ስምዒቱ ኣብ ገጹ ተጻሕፈ። ሕርቃኑ ደሚቑ ተነበበ። ሽጋራ ብምውላዕ፡ ነቲ ኻብ ውሽጡ ዝወጽእ ዝነበረ ትኪ፡ ሽፋን ክገብረሉ ተገደደ። ብመሳዅቲ ኣፍንጫኡ ዝወጽአ ጻዕዳ ትኪ፡ ንፋስ ከም ዝሻበቦ ዕንብረ ንጎቦ ግንባሩ ብኸፊል ሸፊኑ ይዓርግ ነበረ።
ተዛሪቡ ዘዛረቦ ቀለተ እውን ዘይምቕጻል መረጸ። ምስታ ዘትክኻ ዝነበረ ሽጋራ ገዲፍዎ ተበገሰ። ብዘይ ልሙድ ኣገባብ ተሰናበቶ። ርክቡ ምስ ወዲ-ሳግም ምቕጻሉ ኣይተራእዮን። ካብኡ ንላዕሊ ንዘይምኻድ ብኣጋ ኽቘጽዮ ወሰነ። ጽልኣት ሰባት ዘይኰነስ ዘይፍወስ ጽልኣት ኣመለኻኽታኦም ኣማዕበለ። ድሕሪ እታ ኣጋጣሚ፡ ንወግዓዊ ይኹን ዘይወግዓዊ ወግዒ፡ ቀለተን ወዲ-ሳግምን ኣይተራኸቡን። ዕትብ ብዝበለ ጕዳይ ርክቦም ንሓዋሩ መዕረፊ ረኺበ። ኣብ ዝተራኸቡሉ ድማ ኣብ ሰላምታ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኰነ።
Reader discussion

Join the conversation

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *