Skip to content

ኵሉ ውሽጥኻ ንምቍጽጻር’ዩ ዝህንደድ

ንውሽጥኻ ኻብ ግዳማዊ ወራር ትከላኸለሉዶ ትህሉ፧ ዕጥቂ ሕቶታትካ ኸመይ ኣሎ፧ ብድሩት ኣእምሮ ዕጹው ሕትቶዶ ትሓትት ትህሉ፧ ወይ ብኽፉት ኣእምሮ ኽፉት ሕትቶታት፧ ብመገዲ እዚ ጽሑፍ ክትኰልሎ ምደለኹ።
ዝነቐሐ ኣእምሮ መጻወቲ ዓብለልቲ ንኽኸውን ምቹእነት ዘለዎ ኣይኰነን። ሕቶታት እናኣበገሰ፡ ንኹሉ በብዓይነቱ ንኽርእዮ ብቕዓት ኣለዎ። ይሓስብን የነጻጽርን፡ የመዛዝንን ይውስንን። ንፍልጠትን ርትዓዊ ሓበሬታን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኣምልኾ ዓብለልቲ ዝቕበል ዓቕሚ ይኹን ዓቕሊ የብሉን። ኵሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝቐርብ ንረብሓ ወነንቱ ምዃኑ ይፈልጥ’ዩ። ስለ ዝዀነ፡ ህዋሳትካ ሃበኒ እናበሉ ዝውጥጡ፡ ናብ ውሽጡ ንምስላዅ ዘካይድዎ ምትዅታዅ ንምዕጋት ዘኽእል ጥበብ ኣለዎ።
ንስኻ መን ኢኻዶ ትብል ትህሉ፧ ከምቲ ኣቐዲመ እተላለኽዎ፡ ኣብ መገዲ ሓርነት ዝጐዓዝ ዘለኹ መንገደኛ’የ። በቲ ዝሓለፍካዮ፡ እትሓልፎ ዘለኻ ወይ ብሕጂ እትሓልፎ መገዲ ህይወት ዝሓለፍኩን ዝሓልፍ ዘለኹን፡ ብዙሓት ቅድመይ ብዝሓለፍዎ ወይ ዝሓልፍዎ ዘለዉ መገዲ ህይወት ዝሓለፍኩ ወይ ዝሓልፍ ዘለኹ’የ። ብድሕረይ ትመጽእ ንዘለኻ፡ ትኽተለኒ ምህላውካ ኣረጋጊጸ ኣሰረይ እገድፈልካ ኣለኹ። ምልውዋጥ ተመኵሮ ኣብ ህይወት፡ ንዝጥቀመሉስ ብልጫታት ኣለዎ።
ኣሰረይ ናበይ ክመርሓካ ይኽእል እትውስን፡ ንስኻ ባዕልኻ ምዃንካ ኣይዘንጋዕኩን። በቶም ኣሲሮም ሒዞምኻ ዘለዉ ስውራት ኣፋትል ጸገም ተቐፊደ ምንባረይ ደጊመ ኽሕብረካ ምፈተኹ። እቲ ፈትሊ፡ ኣመና ልሕሉሕ ምንባሩ ድሒረ ኣስተውዒለ። ኣሲሩ ሒዙኒ ኣብ ዝነበሉ እዋን፡ ካብ መቝሕ ዓረ ዝተርር ይመስለኒ ነይሩ። ድሕሪ ኽንደይ፡ሓይሊ ውሽጠይ ንኽበትኮ ደፋፊኡኒ ፈቲነ። ተዓዊተ እኳ እንተ ዘይበልኩ፡ ንኻልእ ብድሆታት ክገጥም ኣብ ዘኽእል ኣቃውማ ዀይነ፡ ኣብ ዘተኣማምን መገዲ ሓርነተይ ኣለኹ ኽብለካ እኽእል።
ተሸቝሪረ ዘሕለፍክዎ ለይትታት ክዝክሮ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለኒ። ንኻልኦት ንኸሕጕስ ዝኸድክዎ መገዲ፡ ነብሰይ ኣጽሊኡኒ። ሓደ መዓልቲ ግን ነብሰይ ንኽፈቱ ደሪኹኒ። ክዛረበሉ ኣይደልን ኢለ ምስ ዝዓጽዎ፡ ካልኦት ግዳያት ንኽዀኑ ምፍራድ ኰይኑ ስለ ዝስመዓኒ እየ ዝዛረበሉ ዘለኹ። ተመኵሮይ ድማ እገድፈልካ ኣለኹ። ሰባት፡ ተቐይሩ እዮም ዝብሉ። እወ፡ ብልክዕ ተቐይረ ኣለኹ። ሰባት፡ ክቈጻጸሩኒ ናብ ዘይክእልሉ መድረኽ ተሰጋጊረ። ብርሃን ውሽጠይ፡ ብኡፍታኦም ንኸይግሰም ተኸላኺለን ርሒቐን።
ንስኻ እውን ተንቀሳቐስ። ከተሕጕሶም ጥራይ ካብ ዝጽበዩኻ ርሒቕካ፡ ከተሕጕሳ ናብ ዘለካ ገዛእ-ርእስኻ ቕረብ። ዓቕሊ ኣይተጽብብ። እቲ ለይቲ ኽንዲ ዝነውሐ ይንዋሕ ምውጋሑ ዝተርፎ ኣይኰነን። ሽምዓ ውሽጥኻ ብኣውሎ ንፋስ ጠፊኣ ምስ እትጸንሕ ግን ምውግሑን ዘይምውግሑን ትርጕም ኣይክህልዎን’ዩ።
ሓደ ኣብነት ከቐምጠልካ። ኣብ ዓቐበት ፍቕሪ ተዓንቂፈ ወዲቐ ነይረ። ዘይተጸበኽዎ ሓደጋ ኣጋጢሙኒ ነይሩ። ደንጐላ እምነት ንርእሰይ ምስ ጸቐጦ ኽትስእ ኣይከኣልኩን። መወዳእታ ዓለም እውን መሲሉኒ ነይሩ። ኩሉ ጸልሚቱ ተራእዩኒ። ጸሓይ ይኹን ወርሒ ኣባይ በጺሑ ብርሃነን ዘየድመዐ መሲሉኒ፡ ብጸልማት ተጐቢአ። ምንጪ ብርሃን ካብ ውሽጢ ምዃኑ ዘረጋገጽኩሉ መድረኽ ነይሩ። እታ ኣብ ውሽጥኻ ዘላ ሽምዓ እንተ ቕሂማ፡ ፈትላ እውን እንተ ደኺማ፡ ኵሉ ኣብቂዑ ኣሎ። ብምሉእ ሓይልኻ፡ ነታ ኣብ ውሽጥኻ ዘላ ጥዋፍ ከይትጠፍእ ክትሕልዋ በዚ ኣጋጣሚ ደጋጊመ እላበወካ። ካብቲ ኣለኒ እትብሎ ሽግር፡ ኣብ ውሽጥካ ዘሎ ሓይሊ ኸም ዝገዝፍ ከይትዝንግዕ።
ናብ ዝጠቐስክዎ ዛዕባ ኽመልሰካ። እምነት፡ እምነ-መሰረት ፍቕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ ዘይተወደነ ምስ ዝኸውን ሓደጋ ኣለዎ። እቲ ዝያዳ ዝኣመነ ድማ ዝያዳ ግዳይ ይኸውን። ንገዛእ-ርእስኻ ኸየፍቀርካ ንኻልእ እትህቦ ፍቕሪ ኸም ዘየልቦ፡ ካብቲ ናይ ውድቀት ኣጋጣሚ’የ ተማሂረ። መስዋእቲ ፍቕሪ፡ ፍጹምነት ዝህልዎ፡ ብረብሓ ምስ ዘይውረር’ዩ።
እምነት፡ እምነ-መሰረት ፍቕሪ ብምዃኑ፡ ንእምነት ቀቲልካ ዝሰርር ፍቕሪ የልቦን። እቲ ዝያዳ ዝኣመነ ግን ዝያዳ ግዳይ ይኸውን። ካብ ግዳይነት ከተስኣካ ዝኽእል እውን እምነት ስለ ዝዀነ፡ ምእማን ኣይተቋርጽ። እምነት ካብ ዝጐድል፡ እቲ እምነት ዘይብሉ መቓርብትኻ ኻብ ህይወትካ ኽጐድል ይሓይሽ።
ንሓርነት ኵሉ ኸም ዝጻበኦ ኣይሓብኣልካን። ንደቂ ሰብ ክትልውጦም ዝከኣል ኣይኰነን። ንገዛእ-ርእስኻ ምልዋጥ ግን ዝቐለለ ኽንሱ፡ ዘይከምቲ ምቕላሉ ኽብደት ኣለዎ። ነዊሕ ግዜን ጸዓትን ከም ዝሓተተኒ ኽሓብኣልካ ኣይደልን። ንገዛእ-ርእሰይ ከም ብሓድሽ ተላልየያ ኽብለካ እኽእል። ንልዕሊ ፍርቂ ዕድመይ ንገዛእ-ርእሰይ ከይፈለጥክዋ ጸኒሐ። ሎሚ ግን ምስጋና ንግርህነተይ፡ ምስጋና እውን ንውድቀተይ። ምስ ሰሓትካ ኵሉ’ዩ ዝርከብ።
ኣብ ውድድር ምስ እትህሉ፡ ውድድርካ ኸተቋርጾ ምመረጽኩልካ። ውጽኢት የብሉን ጥራይ ዘይኰነ ኣዕናዊ’ዩ። ከም ምሕጽንታ፡ ኵሉ ውድድርካ ይኹን መወከሲኻ ምስ ገዛእ-ርእስኻ ይኹን እብል።
ኣብ ቀጻሊ ኽሳዕ እንራኸብ፡ ሰናይ ዘበለ እምነየልካ።
Reader discussion

Join the conversation

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *